ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ጭላ ንኣብያተ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝዉዕሉ እቲ ወረዳ ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈትን : ኣቅሑት ቢሮ ማለት እዉን ፈርኒቸር ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓም ዝክፈል ብብርኪ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

1 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩምን 2017 ዓ/ም ዘሐደስኩምን።

2 ናይ 2017 ዓም ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎ

3 መለለይ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ

4 ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ/ቫት/ ዝኾንኩም ብመምርሒ ዝእዝዞ መሰረት ፀብፃብ እቶት ከቅርብ ዝክእል

5 መከበሪ ጨረታ መሳርሒ ፅሕፈትን 15000 ቅርሺ : ኣቅሑት ቢሮ ማለት እዉን ፈርኒቸር 15000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብሽም ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ጭላ ከትሕዝ ዝክእል

6 ተጫራቲ ሰዓራይ ኣብ ዝኮነሉ እዋን ናይ ዝሰዓሮ መጠን መከበሪ ጨረታ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ወይ እዉን ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

7 ተጫራቲ ሰዓራይ ኣብ ዝኮነሉ እዋን ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእል

8 ተጫረቲ ዉዕሊ አብ ዝአሰረሉ እዋን ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መገዓዝያ ናብ ንብረት ክፍሊ እታ ወረዳ ኣታዊ ክገብር ዝክእል

9 ኩሉ መረዳእታ ብቅዳሕ መልክዕ ምስ ሰነድ ጨረታ ብምትሓዝ ፊርማ ማህተምን ብምግባር አተሓሒዞም ኣብ ዉሽጢ ፖስታ ገይሮም ከቅርቡ ዝክእሉ

10 እቲ ጨረታ ካብ 29/2/2017 ዓም ክሳብ 16/3/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ አየር ፀኒሑ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30

11 ኣብ ሰነድ ጨረታ ሕቶ ዘለዎም ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብፅሑፍ ወይድማ ብቁፅሪ ስልክ 0914541690 / 0942029567 0914292538 / 0925071554 ወይድማ ብኣካል ብምቅራብ አብ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር ንብረት ወረዳ ጭላ

12 ሰነድ ጨረታ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ጭላ ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 10 ክወስዱ ዝክእሉ

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

መመለስ
የጨረታ ምድብ