ምልክታ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤትፅሕፈት መጋዓዝያ ኸተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሕን ናይ መንጃ ፍቃድ ከርድን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ፡ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ።
ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ ናይ መቐረባይነት ሰርቲፊኬት ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ናይ ቀረባ ወርሒ ቫት ድክላሬሽን ሬፖርት ዘለዎምን ከቅርቡ ዝኽእሉን ።
2. መኸበሪ ጨረታ ብር 110,000.00(ሓደ ሚኢትን ዓሰርተን ሽሕ ብር) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo)ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ስም
ከትሕዙ ዝኽእሉ ።
3. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ 300(ሰለሰ
ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል ።
4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ ኮፒ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።
5. ጨረታ ካብ ዕለት ዕለት6/12/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 21/12/2016 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓ
3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ይኸፈት።
6. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 034 ይኽፈት ።
7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፌርማን ከዕርፍሉ ይግባእ ።
8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።
9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።
10. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
11. ኣድራሻና ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።
12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።
መመለስ