ሜታኖያ ኣካዳሚ
⚡ ፈጣን የአይአይ ማጠቃለያ
• ሜታኖያ ኣካዳሚ ብማሕበራዊ ሚዲያ (ዩቲዩብ፣ ፌስቡክ፣ ቲክቶክ)፣ ቴሌቪዥንን ራድዮን ናይ ምልክታን ምፍላጥን ኣገልግሎት ንዝህቡ ትካላትን ነጠፍትን ዝወፀ ጨረታ እዩ።
• እቲ ኣገልግሎት ቪድዮታትን ማስታወቂያታትን ምድላው፣ ቃለ-መሕትት ምግባር፣ ዶክመንታሪ/ድራማ ምስራሕን ናይ ዲጂታል ማርኬቲንግ ስትራቴጂ ምቕራብን የጠቓልል።
• ተወዳደርቲ ኣብዚ ዓውዲ ዝተረጋገፀ ናይ ስራሕ ልምዲ፣ ብዙሓት ተኸታተልቲ (Followers/Subscribers) ከምኡ እውን ናይ ቀደም ስራሕቶም (Portfolio) ከቕርቡ ይግባእ።
• እቲ ትካል ኣብ ትግራይ፣ መቐለ (15 ተበለ ሓዱሽ ባንኪ ንግዲ) ዝርከብ ኮይኑ፣ ብስልኪ ቁፅሪ +251974-888111 / +251974-666111 / +251974-666611 ምርካብ ይከኣል።

ምልክታ ጨረታ 

ንኣገልግሎት ምልክታን ምፍላጥ ትካልን (Media Promotion Service)

1. መእተዊ

ሜታኖያ ኣካዳሚ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብሉፅ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተወፈየ ትካል ኮይኑ፣ ብዝለዓለ ብርኪ ፅሬት ትምህርቲ ንምቕራብ ይሰርሕ ኣሎ። ኣካዳሚና ኣገልግሎታቱ፣ ፍሉይነቱን ዕድላቱን ንሰፊሕ ህዝቢ ንምፍላጥ ብማሕበራዊ ሚዲያን ቴሌቪዥንን ኣገልግሎት ክህቡ ዝኽእሉ ትካላትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ንኸወዳደሩ ብኸብሪ ይዕድም።

2. ዕላማ ናይቲ ስራሕ

• ስምን ብራንድን ሜታኖያ ኣካዳሚ ንሰፊሕ ህዝቢ ምፍላጥ።

• ሓደሽቲ ተምሃሮን ወለድን ናብ ኣካዳሚና ንምምፃእ ምብርትታዕ።

• ፍሉይ ኣገልግሎታትናን ውፅኢታትናን ብማሕበራዊ ሚዲያን ቴሌቪዥንን ምቕራብ።

• ናይ ሼር መሸጣን ካልእ ንግዳዊ መደባትን ንህዝቢ ምፍላጥ።

3. ዝድለ ኣገልግሎታት

• እቶም ተወዳደርቲ ካብዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ሓደ ወይ ልዕሊኡ ክህቡ ይግባእ፦

• ብዩቲዩብ፣ ፌስቡክ፣ ቲክቶክን ካልኦት ማሕበራዊ ሚዲያታትን ቪድዮን ምልክታን ምቕራብ።

• ምስ መራሕቲ፣ መምህራንን ተምሃሮን ቃለ-መሕትት ምስራሕ።

• ድራማ፣ ዶክመንታሪን ናይ ማስታወቂያ ቪድዮታትን ምስራሕ።

• ብቴሌቪዥን ወይ ራድዮ ምልክታ ምቕራብ።

• ንዲጂታል ማርኬቲንግ ዝምልከት ስትራቴጂ ምቕራብ።

4. ብቕዓት ተወዳደርቲ

ተወዳደርቲ እዞም ዝስዕቡ መምዘኒታት ከማልኡ ይግባእ፦

• ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ወይ ሚዲያ ስራሕ ዝተረጋገፀ ልምዲ ዘለዎም ክኾኑ።

• ብዙሓት ተኸታተልቲ (followers/Subscribers) ዘለዎም ክኾኑ።

• ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሕዎ ስራሕ(Portfolio)ከቕርቡ።

Ethiopia Tigray.Mekelle

251974-888111 +251974-666111 +251974-666611

- 15 ተበለ ሓዱሽ ባንኪ ንግዲ ኢያ