የትግራይ ልምዓት ማሕበር
⚡ ፈጣን የአይአይ ማጠቃለያ
* ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተፈላለዩ ናውቲ ፅሬት ብፕሮፎርማ ክዕድግ ስለዝደለየ፣ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ መለለዪ ቁፅሪን (TIN) ናይ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓ.ም VAT ዲክላራስዮን ዘቕርቡ ተወዳደርቲ ይዕድም።
* ሰነድ ፕሮፎርማ ናይቲ ትካል ሙሉእ ሽምን ማህተምን ክህልዎ ዝግቦኦ ኮይኑ፣ ዝቐርብ ዋጋ ምስ ቫቱ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ብንፁር ክግለፅ ኣለዎ።
* ተዓዋቲ ዝኾነ ትካል እቲ ዝድለ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ኣትዩ ከቕርብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ።
* እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 23/08/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ፣ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኽፈት።

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናውቲ ፅሬት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ

ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም ፡፡

1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ እንተኾይኖም ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

5. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ከቕርብ ዝኽእል፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እቲ ዝድለ ዓይነት ንብረት እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም ፡፡

6. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

7. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

8. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

9. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 23/08/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኽፈት፡፡