ከፍተኛ ፍርድ ቤት

ዕለት ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/1249/2018

ዕለት:- 25/07/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ ጀስትስ ፎር ኦል ብዝተረከበ በጀት ቴሌቬዥን ብሜላ ዕደጋ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ

ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሸጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡

✓ ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 25/07/2018 ዓ/ም ክሳብ 29/07/2018 ዓ/ም ስዓት 11፡30 አብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 30/07/2018 ዓ/ም ስዓት 3፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ስዓት አብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ዳ/ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዝኸፈት ኾይኑ እንተዘይተረኪቦም ግን እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት

አይክልከልን፡፡

✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 /ሰለስተ/ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ብዕሬትን ብመጠንን ከቅርብ ዝክእል፡፡

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር

✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡