የህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህ.ወ.ሓ.ት/ ዋና ፅሕፈት ቤት

Date/ዕለት 21/07/2018ዓ/ም

ጨረታ ቁፅሪ ጨ01/2018ዓ/ም

Ret NO /ቁረ_9704/ህጠ/ፋ/ም2/1388

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ናይ 2018 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ንዝተፈላዩ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት ፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑትን ናይ መኪና ጎማን ባትርን ኣቑሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡን ንክትወዳደሩ እትደልዩን መቕረብቲ ክትወዳደሩ ፃውዒቱ ብኣኽብሮት የቕርብ:-

ብተወዳደርቲ ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሕታት

1. ናይ ዘመኑ 2018ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ መፍለዪ ቁፅሪ / ቲን ናምበር / ናይ ግብሪ ከፋላይ ፣ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲኬት ፤ ናይ ወርሒ ጥሪ/2018 ቫት ዲክሌር ዝገበርሉ ከምኡ እውን ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኸእል ክኸውን ኣለዎ፡፡

2. ተወዳደርቲ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ካብ ዕለት 21/07/2018ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለትን ሳዓትን ምብዕሑ ክሳብ ዕለት 08/08/2018ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብር 200 /ክልተ ሚኢቲ ብር/ እናኸፈልኩም ክትወስዱ ትኽእሉ፡፡

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 08/08/2018ዓ/ም በቲ ዕለት ልክዕ ሳዓት 4፡00 ናይ ቅድሚ ሳዓት እንትኸውን ጨረታ ዝኸፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 08/08/2018ዓ/ም ልክዕ ሳዓት 4፡30 ናይ ቅድሚ ሳዓት ሕጋውያን ተወዳደርቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት፡፡ ጨረታ መኸፈቲ ብካላንደር ኣብ ዝዕዖ መዓልቲ እንተዳኣ ውዒሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሳዓት ይኸፈት፡፡

4. ተወዳደርቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቸክ ፡ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክረዲት (CPO) ብር 15,ዐዐዐ ንፅሕፈት መሳርሒ ፣ ብር 20,ዐዐዐ ንናይ መኪና ጎማን ባትርን ኣቑሑት ከምኡ ድማ ብር 20,000 ንኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝኸእል ክኸውን ኣለዎ፡፡

5. ሰዓራይ - ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ካብ ጠቕላላ ዋጋ ውዕሊ 10% መኽበሪ ውዕሊ ኣትሒዙ ብዝኣተዎ ውዕሊ መሰረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጋዓዝያን መራገፍን ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣቕሪቡ ከረክብ ዝኸእል ክኸውን ኣለዎ፡፡

6. መቕረብቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ መወዳደሪ መረዳእታኹም ከምኡ እውን ኣብ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዕን ናይ ትካልኩም ማህተም ሽምን ፊርማን ዝዓረፎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ብዘይብሉ ብኢንቮሎፕ /ፖስታ/ ዓሺግኩም ንዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ኣለኩም፡፡

7. ተወዳደርቲ ዋጋ እንትመልኡ ቫት ዝሓወሰ ዋጋ ኣብ ዝተዳለወልኩም ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ንክትመልኡ ንሕብር፡፡

8. ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን60 መዓልታት ይኸውን፡፡

9. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡ ኣድራሻና፡ - ትግራይ -መቐለ - ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ግቢ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ኣቲኹም ክትረኸቡና ትኽእሉ::

ንዝተደለየ ሓበሬታ ብሞባይል ቁፅሪ :- 0914 124252 ብምድዋል ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

ምስ ሰላምታ