የመቐለ ከተማ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ካብ ቤትፅሕፈት ምም/ር ከተማ መቐለ ናብ ሽረን ማጨውን ዝኸዱ ኣጋይሽ ስለ ዘለዉ ናብዝን ዝተገለፃ ከተማታት ኣጋይሽ ኣብፂሐን ዝምለሳ ናይ ትራንስፖርት ግልጋሎት ዝህባ መካይን ፕሮፎርማ ኣወዳዲርናናይ ሰረቪስ ግልጋሎት ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ :: ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝታሓደ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት፣ቲን ቁፅሪ ከተሓሕዝ ዝኽእል ።

2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 16/7/2018 ዓ/ም 3:30ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 21/7/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ይኽፈት

3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።

4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ብምቅራብ ውዕሊ ኣሲሩ ግልጋሎት ኣብ ዝተደለየሉ ብናይ ባዕሉ ነዳዲ ናብቲ ዝተጠቀሰ ከተማ ከብፅሕ ዝኸእል ፡፡

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስተኸፈተ ን7ተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ፡

6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል

7. ኣብ ከይዲ ጨረታ/ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ፡፡

8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ።

9. እዚ ብቤት ፅሕፈትና ዝግበር ፕሮፎርማ ውድድሩ ብተናፀል/ንሕድሕድ መኪና ዝናኣሰ ዋጋ ብዘቅረበ ስዓራይ ይኸውን ።

10. ስዓራይ ዝኾነ ትካል ነዳድን ካልኦት ናይመኪናን ሰብ ሓይልን ዝምልከትዝተፋላለዩ ወፃእታት ብባዓል ዋና ዝሽፈን ይኸውን ፡፡

11. ክፍሊት ዝምልከት ብትጠቃማይ ቤት ፅሕፈት ብዝቐረብ ጋገፂ መሰረት ብዝሃዓኖ በዝሒ ማዕልቲ ተባዚሑ ክፍሊት ዝፍፀም ይኸውን