1 ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም በቲ ዘፈር ንግዲ ናይ 2018 ዓም በጀት ዓመት ዝሐደሱ
2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ናይ 2018 ዓም ዝሐደሱ
3 መረዳእታ መቅረባይነት ዘለዎም
4 ከመእዉን ንሞተር ሳይክል ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ሒሳበ ዘፍለጥሉ ናይ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓም ዘቅርቡን ክከዉንአ አለዎ
5 እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ዕሸል ከተማ ራህያ ዘይምለስ ንሕድሕድ ሰነድ ሰነድ ጨረታ 200 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ
6 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መከበሪ ኤሌክትሮኒክስ 10000 ቅርሺ : ሞተር ሳይክል 15000 ቅርሺ : መሳርሒ ፅሕፈት 3000 ቅርሺ :መሳርሒ ህንፃ 2000 ቅርሺ : ሕትመት 2000 ቅርሺ ኮይኑ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ወይድማ ስፒኦ ወይ ከዓ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዙ ዝክእሉ
7 ሞተር ሳይክል ጥራሕ ንጫረቱ እቲ ጨረታዝ ካየደሉ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳርን ኮይኑ ሰነድ ጨረታ ላብ 2/7/2018 ዓም ክሳብ 17/7/2018 ዓም ናበ ዝተዳለወ ናይ ሳነዱቅ ጨረታ 17/7/2018 ዓም ሰዓት 10:00 ድሕሪ ሰዓት ተዓፀዩ ልክዕ በቲ ዕለት ሰዓት 10:15 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት
8 ኤሌክትሮኒክስ : መሳርሒ ፅሕፈት :መሳርሒ ህንፃን : ሕትመትን ዝጫረቱ ተጫረቲ ድማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ዕሸል ከተማ ራህያ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረትን ኮይኑ ሰነድ ጨረታ ላብ 2/7/2018 ዓም ክሳብ 17/7/2018 ዓም ናብ ዝተዳለወ ናይ ሳነዱቅ ጨረታ 17/7/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ድሕሪ ሰዓት ተዓፀዩ ልክዕ በቲ ዕለት ሰዓት 4:15 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት
9 ተጫረቲ ንዘቅርብዎ ንብረት ድማ ቤት ፅሕፈት ብዘቅርቦ እስፐስፊኬሽን ማለተ እዉን ዝርዝር መምርሒ መሰረት ከቅርብ ዝክእል
10 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና መሊኡ ከረክቡ አለዎም
11 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ 10 መዓልቲታት ዘይበልፅ ይከዉን
12 ሰዓራይ ጨረታ ድሕሪ ጨረታ ምስዓሩ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ካልኣት ወፃኢታትን ተጫራታይ ብምሽፋን ንበረት ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ዕሸል ከተማ ራህያ ከቅርብ ዝክእል
13 እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምንካይን ዝክእዝል ምካኑ ተጫረቲ ዘቅርብዎ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ
14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐወ እዩ
15 ንዝበለፀ ሐበሬታ 0988263484 / 0920031903