ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ኣብ 2018 በጀት ዓመት ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፍሳስን ከተማ ዓዲግራትን ከተማ ፋዕን ብሓባር ብምዃን ዝተፈላለዩ ኣቁሑታት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ ፅሬት መሐለዊ፣ ኮምፒተርን ናይ ኮምፒተር ኣክሰሰሪን፣ ፓምኘን ኤሌክትሪክ ኣቁሑትን፣ ናይ ማይ መሐከሚ ኬሚካል፣ ናይ መኪና መለዋወጢን ዲኮር ኣቁሑትን ናይ መኪና ጐማን ባትሪን ፣ናይ ተሸከርከርቲ ዘይትን ቅብኣትን ፣ ሙሉእ ሞተር ሳይክልን ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑትን፣ ሙሉእ ሳይክልን ሳይክል መለዋወጢ ኣቑሑትን፣ብረት ቱቦ መገጣጠምትን ቆፀርቲ ማይ ኣቑሑትን ፣ ከምኡውን HDPEን PPRን ቱቦን መገጣጠምቲ ኣቁሑታትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
ስለዚ ሕጋዊ መቕረብቲ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ኣብ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ ፅሬት መሐለዊ፣ኮምፒተርን ናይ ኮምፒተር ኣክሰሰሪን፣ናይ ተሽከርከርቲ ዘይትን ቅብኣትን ፣ሙሉእ ሞተር ሳይክልን ሞተርሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑትን፣ናይ መኪና ጐማን ባትሪን ዘይምለስ ብር 500.00፣ ኣብ ካልኦት ዝተረፉ ጨረታታት ድማ ዘይምለስ ብር 1000.00 ብምኽፋል ካብ ክፍሊ ፋይናንስን ምሕደራ ንብረትን ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ይዕድም። ሕድ ሕድ ጨረታ ከከም ጨረትኡ ካብ ብር 3,000.00–110,000.00 ጨረታ መኽበሪ ብCPO ጥራሕ ብምትሓዝ ካብ ዕለት 21/06/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 07/07/2018 ዓ.ም ሰዓት 8:30 ድ.ሰዓት ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፍሳስን ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ይግበር። እዚ ጨረታ ዕለት 07/07/2018 ዓ.ም ሰዓት 8:30 ድ.ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ድ.ሰዓት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዘለዉሉ ይኸፈት። ንብረታት መረከቢ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት “ማይን ፍሳስን ከተማ ዓዲግራት ይኸውን።
ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914796423/0920876993 ይደውሉ።