ቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መሬት ከተማ መቐለ ንመንበሪ፣ ንግዲ፣ ሆቴልን መዋእለ ህፃናትን ዝኸውን 154 ዝተዳለዉ ቦታታት ብ75 ዙር መደበኛ ሊዝ ጨረታ ብግልፂ ኣወዳዲሩ ክመሓላልፍ ይደሊ።
* ተጫረቲ ካብ ዕለት 25/12/2018 ዓ/ም ጀሚሮም ዘይምለስ 4,000.00 ብር ብምኽፋል ኣብ eBAS ሲስተም ተመዝጊቦም፣ ዋጋ መእተዊ ናይ መወዳእታ ዕለት 05/01/2019 ዓ/ም ሰዓት 11:00 ይኸውን።
* ጨረታ ዝክፈተሉ/ዝንበበሉ ዕለት 06/01/2019 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ንጎሆ ኮይኑ፣ ናይ መወዳእታ ውፅኢት ጨረታ ብዕለት 13/01/2019 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ይግለፅ።
* ተጫረቲ ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ብዝርከባ ባንክታት ዝተሰርሐ ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና (CPO)፣ ናይ ክፍሊት ደረሰኝ፣ ናይ ነባርነት መለለይ ካርዲ/ፓስፖርት ከምኡ’ውን ንድርጅታት ሕጋዊ መተሓዳደሪ ደንብን ፍቓድን ከቕርቡ ይግባእ።
* ኣብ ውድድር ጨረታ ነፀላ ዋጋ 80%፣ ቕድመ ክፍሊት (Down payment) ድማ 20% ዝሕዝ ኮይኑ፣ መበገሲ ቕድመ ክፍሊት ካብ 30% ክንእስ የብሉን።

ምልክታ ሊዝ ጨረታ መሬት

1. የዙር ጨረታ - 75

2.ዓይነት ጨረታ - መደበኛ

3../ዕ/ኣምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ናይ ከተማ ቦታ ብሊክ ንምትሕልላፍ ብዝተቐመጠ እዋጅ ቑፅሪ 71/2004 አንቀፅ 8 ንኡስ እንተዕ 1 ኣብ ፊደል ተራ ቑፅሪ ካብ ሆ ክሳብ ሠ ብዝተዘርዘረ መሰረት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ንመንበሪንግድ ሆቴልንመዋእለ ህፃናት ጠቕላላ 154 ዝተዳለወ ቦታታት ብግልፂ ጨረታ ንተ ረቲ ንምትሕልላፍ ይደሊ፡፡

ስለዚ መሬት ብለዝ ጨረታ ንምርካብ ንምውድዳር ዝደሊ ሰብ ካብ ዕለት 25/12/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ eBAS ሲስተም ናይ ተጠቃምነት ኣካውንት ንምፍጣር ዘይምለስ ብር ንመንበሪንግዲ ሆቴልን መዋእል ህፃናት ትወዳደሩ ብር 4000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ ቅርሺ) ብምኽፋል ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ ከይዲ ሰፊሕ ማዘጋጃቤታዊ እቶት ኣብ ስራሕ ሰዓት ክፍሊት ካርዲ ደረሰኝ ምቑራፅ ዝከኣል ምዃኑ ነፍልጥ። ናይ ክፍሊት ካርዲ ደረሰኝ መረፂ ግዜ - ካብ ዕለት 2/12/2015 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 04/01/2019 ዓ/ም ቕድሚ ሰዓት 900 ሰዓት ጥራሕ ይኸውን፣

5 ጨረታ ዝመሰቓል ንምውሳድን ናብ

S Eystem) ነፃላ ዋጋ ምእታውን ጠቅላላ ሊዝ[]

አመ ዕለ: 05/01/2010 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ይኸውን፤

ረታ ( LBS System) ናይ ምንባብ ስነ ስርዓት ዝካየደሉ ዕለት 06/01/2019 ዓም ኣብ ኣ/ም/መ/ከ/መቐለ ኣዳራሽ ባዕልቶም ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪላቶም/ ኣብ ዘለዉዎ ንጎሆ ሰዓት 03፡00 ይኸውን፣ 

ናይ መወዳእታ ውፂኢት ሊዝ ጨረታ ዝግለፀሉ ዝልጠፈሉ/ ዕለት 13/01/2019 ዓ/ም ንነሆ ሰዓት 03፡00 ይኸውን፣

ናይ ጨረታ ዝርዝር መረዳእታ ኣብ ናይ ሓሙሽቲ:አን/5 ክፍለ ከተማታት መጠቅዒ ሰሌዳን ብተወሳኺ

ኣብ መርበብ ሓበሬታ http://www.tigraitv.com ኣብ "Facebook-page"

Facebook.com/dmtsivevanem. "Mekelle city communication affairs" "Ce cha

9.ት ፅሕፈትና እዚ ረታ ብሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።


መምርሒ ሊዝ ጨረታ መሬት መበል ቑፅሪ -75

1. ኩሉ ተጫራታይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተቐመጡ ናይ ጨረታ መምርሒታት ክፍፅም ይግባእ

1.1. ኣብ ከይዲ ጨረታ ዝከኣሉን ፡ ዘይከኣሉን ፡ ጥንቃቐ ዘድልዮምን

1.1.1. ሓደ ተጫራታይ ኣብ ሲስተም ድሕሪ ምምልኡ ፡ ተወሳኺ ካሊእ ቦታ እንተደልዩ ተወሳኺ ደረሰኝ ብምቑራፅን (CPO) ብምስራሕን ፤ ናብ ናይ ተጫረቲ መመዝገቢ ክፍሊ ብምቕራብ ንምምላእ ይከኣል እዩ፤

1.1.2. ተጫራታይ መኽበሪ ውሕስና/CPO/ ክሳብ በዝሒ 8 ሰነድ ወይ ቦታ ካብ 20% (ሚኢታዊ) ጀሚሩ ንሕድሕድ ሰነድ 10% ብምውሳኽ ክሳብ 90%(ሚኢታዊ) ስፒኦ ምስራሕ ይከኣል። ኾይኑ ግን በዝሒ ሰነድ ትሸዓንተን(9) ካብኡ ብላዕልን ንዝገዝእ ግን ንሕድሕድ ቦታ በቢ 100%(ሚኢታዊ)

1.1.3. ሓደ ተጫራታይ ንሓደ ቦታ ካብ ሓደ ንላዕሊ ደረሰኝ ምግዛእን ፣ ኣብ elBAS system ዋጋ ምምላእን ኣይኽእልን

1.1.4 ተጫራታይ ኣብ eLBAS system ኮምፒዩተር ጨረታ ዋጋን ሓሳብ መቕረቢ ቕጥዕን ብጥንቃቐን ብርግዓትን ክመልእ ኣለዎ፤ ናብ ናይ ጨረታ ሲስተም ድሕሪ ምምላእኻ ዝኾነ ይኹን ምስትኽኻል ፡ ምስራዝ ፣ ካሊእ ቦታ ምቕያርን ጉደም ሰዓብ ምስትኽኻልን ፍፁም ኣይከኣልን፣

1.1.5. ናብ ዝተኣሸገ ጨረታ ሳዕን ሓደ ጊዜ ዝኣተወ ሰነድ ፍፁም ምውፃእን ተመሳሳሊ ምትካእን ሓሳብ ምቕያርን ኣይክኣልን፡

1.1.6. ኣብ elBAS system ተፈጢሩ ዝተውሃበካ ናይ ተጠቃምነት መሰል ሽምን መሕለፊ ቃልን ንኻሊእ ኣካል ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣይከኣልን።ናይ ውልቀ ተጠቃምነት መሕለፊ ቃል ኣሕሊፍካ ብምሃብ ንዝፍጠር ፀገም ኮሚቴ ተሓተቲ ኣይኮነን

1.1.7. ተጫራቲ ሙሉእ ሽሞም ፊርማኦም፣ስልኪ ዕሮምን ኣድራሽኦምን ኣብ ኩሎም ገፃት ከቐምጡ ይግባእ፡፡ ኣብቲ ጨረታ ዝሳተፍ ድርጅት እንተኾይኑ ሕጋዊ ዝኾነ ናይቲ ድርጅት ማህተም ኣብ ኩሎም ናይቲ ሰነድ ገፃት ክዓርፎ ይግባእ፣

1.1.8. ተጫራታይ ጨረታ ሰነዳት ብኣግባቡ ብምምላእ ብሽምዒ ኣብ ዝተኣሸገ ፖስታ ናይ ተጫራታይ ሽም ፡ ናይቲ ቦታ ፍሉይ ኮድን ናይ ጨረታ ቑፅሪን መፍለይ ውልቀ ቑፅርን ብግልፂ ብምፅሓፍ * ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ውሽጢ ዝተቐመጠ ናይ ጨረታ ጊዜ ከእቱ ይግባእ፡፡

1.1.9. ሓደ ተጫራታይ ኣብቲ ጨረታ ምስ ተሳተፈ ካብቲ ጨረታ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያቱ ዓርሱ ምግላል እይኽእልን።

1.2 ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሕታት

1.2.1 ኣብ elBAS system ናይ ሓሳብን ዋጋ መምልኢ ችጥዒን opm-0008) ናይ ዝመላእኽምዎ ዋጋ ጨረታ ናይ ሕድ ሕድ ቦታ በቲ ጉጅለ ፈፃሚ ሊዝ ጨረታ መሬት ፕሪንት ተገይሩ ኣካል ሰነድ ኾይኑ ዝተሓሓዝ እዩ፣

1.2.2 እዚ ተፃሒፉ ዘሎ መምርሒ ናይ ቤት ዕዮ ክቢ ማህተም ዝዓረፎ ቕዳሕ Copy/ ምስ ጨረታ ሰነድ ወይ መረዳእታ ተጫራታይ ከታሕዝ ኣለዎ። ካብዚ ወፃእ ናይ ጨረታ ሰነድ መረዳእታ ተቐባልነት ኣይህልዎን፤

1.2.3 ኣብ ውሽጢ ከተማ መቐለ ጥራሕ ዝርከባ ባንክታት ዝተሰርሐ ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና/CPO/ ዋንኡ ብሽም ቤት ማዘጋጃ ከተማ መቐለ ብባንኪ ዝተመስከረ ፤ ብኣንፃር በዝሒ ናይ ዝተረተሉ ቦታ ስፍሓት ቕደም ሰዓብ(ኣብ ዝርዝር ሰደቓ ብዝተቐመጠ) ምስ መልዐሊ ዋጋ ብምብዛሕ ናይ ዝርከብ ውፅኢት ነቲ ካብ ዝተቐመጠሉ ሚኢታዊ ዘይንኣሰ ብምትሕሓዝ ክቕርብ ይግባእ (ኣብ ሲፒኦ ናይ ዝተትሓዘ መጠን ገንዘብ ካብ ዝተቐመጠ ሚኢታዊ ወሰኽ ኣፈላላይ ዘእተወ በዕሕፈትና ናይ ምምላስ ግዴታ የብልን)፡

1.2.4 ናይ ክፍሊት ካርዲ ደረሰኝ ብሽም ተራታይ ዋንኡ ፃዕዳ ፣ ናይ ነባርነት መለለይ ካርዲ ወይ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ፓስፖርት ኮፒ ፣ ብውክልና እንተኾይኑ ናይ ተወካሊ ናይ ነባርነት መለለይ ካርዲ ኮፒ፣

1.2.5 ብሽም ድርጅት ትካል ማሕበር ንዝወዳደሩ ኮፒ ናይ ድርጅት ፍቓድን መተሓዳደሪ ደንብን ናይ ግብሪ መኽፈሊ መፍለይ ቑፅሪ( ንክረተሉ በቲ ድርጅት ዝተውሃቦ ፈቓድ ሓላፍነት መተሓዳደሪ ደንቢ ወይ ድማ ውክልና ናይ ምሃብ ስልጣን ብዝተውሃቦ መረዳእታ ውክልና ፤ ናይ ተወካሊ ወይ ዝተፈቐደሉ ኣካል ሓላፊ መለለይ መንነት ኮፒ ክተሓሓዝ ኣለዎ።

1.2.6 ክልተን ካብ ክልተ ንላዕልን ንሓደ ቦታ ዝወዳደሩ እንተኾይኖም ክማላእ ዝግባእ ከምዘሎ ኾይኑ ናይ ዝተወደቡሉ ማሕበር ሕጋዊ መረዳእታ ከቕርቡ ኣለዎም፣

1.3 ካብ ጨረታ ወፃኢ ፍፃመታት ዘግብሩን ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ስፒኦ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ዝኾነሉን

1.3.1 ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተዘርዘሩ ረቛሕታት እንተየማልአ እንተተሪፉ

1.3.2 ንሓደ ፕሎት ሰብኣይን ሰበይትን ነናቶም ተወዳዲሮም እንተተረኺቦም፣

1.3.3 ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣብ ዝኾነ ዙር ጨረታ ሰዓራይነቱ ተገሊሁ ውዕሊ ከይኣሰረ ዝተሰረዞ፣

1.3.4 መሬት ብባዕሉ ፣ ብባዓልቲ ሓዳሩ ወይ ብትካሉ ናይ ዋንነት ብፅሒት ኣብ ዘለዎ ወሲዱ ብዝኣተዎ ውዕሊ መሰረት እንተየማልአ እንተመሓላሊፉ

1.3.5 ንሓደ ቦታ ክልተ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቕረበ፤

1.3.6 ሓደ መኽበሪ ሰነድ ጨረታ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ጨረታ ቦታ ዘቕረበ

1.3.7 ንመኽበሪ ጨረታ ስገኦ ካብ ዝተጠየቖ መጠን ገንዘብ ንታሕቲ እንተቕሪቡ

1.3.8 ኣብዚ ዓንቀፅ ንንኡስ ዓንተዕ 1.3.1 ክሳብ 1.3.7 ዘለው ካብ ሓዲኦም ሓዲኦም ዝፈፀመ ካብ ከይዲ ጨረታ ብምስራዝን ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ስፒኦ ኣታዊ ብምግባርን ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክልተ ጊዜ እንተደጋጊሙ ኣብቲ ከተማ ካብ ከይዲ ጨረታ ንክልተ ዓመት ይእገድ

1.4 ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ኮይኖም ተሓተቲ ዝኾንሉ ኣገባብ

1.4.1 ዝተጭበርበረ ክፍሊት መእዚ ዘቕረበ፤

1.4.2 ዝተጭበርበረ ናይ ሕጋዊ ሰውነት መረጋገፂን ናይ ውክልና መረዳእታን ሰነድ ዘቕረበ ተጫራታይ፤

1.4.3 ዝተፈላለዩ ሓለፋ ንምርካብ ወይ ጨረታ ንምስዓር ሓሲቡ ንዝኾነ ናይ ቢሮ ኣካል መደለሊ ብላዕ ምሃብ ወይ ንምሃብ ሓሳብ ምቕራቡ ብዘእምን ኩነታት ዝተረጋገፀ፤

1.4.4 ካብዞም ዝተጠቐሱ ካብ ሓዲኦለም ተግባራት ዝፈፀመ ካብቲ ጨረታ ተሰሪዙ ብኣዋጅ ሊዝ 721/2004 ዓንቀፅ 35 መሰረት ዝሕተት ይኸውን።

1.5 ናይ ጨረታ መወዳደሪ ረቋሒታትን ካልኦት መብርሂታትን

1.5.1 ናይ ጨረታ ነፀላ ዋጋ ካብ ሚኢቲ 80% ቕድመ ክፍሊት ድማ ካብ ሚኢቲ 20% ይሕዙ

1.5.2 ቕድመ ክፍሊት/Down payment/ ካብ 30% ክንእስ የብሉን።

15.3 ክልተን ልዕሊኡን ተጫረቲ ብደረጃ ማዕረ እንተወፂኦም ሰዓራይ ብዕ ይፍለ፡ ካብኣቶም ኣካለ ጉድእ ፣ ንኡስ ብሄረሰብ ኩናማን ኢሮብን ፡ ጓል ኣንስተይቲ እንተልዮም ብቕደም ሰዓቦም ቅድሚያ ይወሃቦም፣

1.5.4 ሰዓራይ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ናይቲ ጨረታ ዋጋ በቲ ዘቐመጦ ቕድመ ክፍሊት ብምኽፋል ውዕሊ ይፍፅም፡፡ ኣብ ዝተውሃቦ ናይ መጠንቀቕታ ጊዜን ዘይቐረበ ተ ራታይ ረትኡ ይስረዝ ጨረታ ውፂኢት ካብ ዝወፀሉ ኣብ ሓሙሽተ መዓልቲ ውሽጢ ብፅሑፍ ኣመልኪቶም ንዝፀንሑ ን2 ን3 ን ብቕደም ሰዓቦም ፍቓደኛ ንዝኾነ ፣ ቐዳማይ ብዝሰዓሮ ዋጋን ካልኦትን ንክኣስሩ ይግበር፣

1.6 ዘመን ግልጋሎት ዓይነት

1.6.1 ንንግዲ/ድርጅት/ ከምእውን ንመንበርን ንግድን ሕውስዋስ ግልጋሎት ዘመኖም 70 ዓመት እንትኸውን ክፍሊት መጠናቀቂ እዋን ድማ 30 ዓመትን ትሕቲኡን እዩ፡፡

1.6.2 ንመንበሪ ኣፀደ ህፃናት ዝተዳለው ቦታታት ናይ ግልጋሎት ዘመኖም 99 ዓመት ኮይኑ መክፈሊ እዋን ድማ 50 ዓመትን ትሕቲኡን እዩ፡፡

1.7 ዲዛይን መፅደቂ ፡ ህንፀት መጀመርን ህንፀት መዛዘምን ዝምልከት

1.7.1 ዲዛይን መዕደቂ ፣ ህንፀት መጀመርን ህንፀት መዛዘምን ዝምልከት ብዝወፀ ሊዝ ደንቢ ቑፅሪ 76/2005 ከምእውን ብመምርሒ ሊዝ ቑፅሪ 6/2016 መሰረት ተፈፃሚ ይኸውን።