መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ምልክታ ጨረታ

ትካልና መስፍን ብረታ ብረትና ኢንጂነሪንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቐሱ ተረፈ ምህርቲ ብቕሉዕ ጨረታ ክሸይጥ ስለዝደሊ ድሌትን ዓቕሚን ዘለኩም ህጋዊ ነጋዶ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት መሰረት ብምግብር ኣብ ጨረታ ንክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም።

ተ.ቁዓይነት ተረፈ ምህርቲግምታዊ መጠንዝርከበሉ ቦታ
ብቶንብኪሎ
01Black Steel Leftover680680,000100 hectares
02Black Steel Scrap170170,000MME/Azmie
03Scrap PPGI sheet & Galvanized sheet1717,000100 hectare/Azmie
04Rested Wire dia.1.5 mm011,000Azmie/MME
05Chips2727,000MME, Foundery & Azmie
ጠቕላላ ድምር895895,000

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቕርብ ዝኽእል ክኾውን ኣሎዎ።

2. ተጫረቲ ንጨረታ ዝቐረበ ተረፈ ምህርቲ ፍርያት ካብ ዕለት 08/07/2026 ክሳብ 22/07/2026 ኤ.ፈ ኩሉ ድሕሪ ሰዓት ድማ ካብ ሰዓት 7:30-10:30 ኣ.ግ ክሪኡ ግዜ አብ ስራሕ ሰዓት ንጎሆ ካብ ሰዓት 2:00-6 ይክእሉ።

3. ተረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድን፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ምዃኖም ዝገልፅን ናይ መወዳእታ ወርሒ 2018 ዓ/ም ቫት ዝኸፈለሉ ሰነዳትን ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 08/07/2026 21/07/2026 ኤፈ ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት ንጎሆ ካብ ሰዓት 2:00-6:00 ድሕሪ ሰዓት ድማ ካብ ሰዓት 7:30-10:30 ኣ.ግ ኣብ ዘሎ ጊዜ ብር 300.00 (ብር ሰለስተ ሚእቲ ጥራሕ) ብምክፋል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት መቐለ ካብ ኮርፖሬት ሳፕላይ መምርሒ ክረኽቡ ይኽእሉ፡፡

4. ተረቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ኣብ ኮርፖሬት ሳፕላይ መምርሒ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 08/07/2026 ክሳብ 22/07/2026 ዓ.ም. ሰዓት 4:00 ኣ.ግ ከእትዉ ይኽእሉ፡፡

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ (CPO) ብር 1,500,000.00 (ብር ሓደ ሚልዮንን ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕን ጥራሕ) ንበይኑ ብዝተኣሸገ ፖስታ ምስ ጨረታ ከእትው ይግባእ፡፡ ጥረ ገንዘብ ይኹን ብፖስታ ዘይተዓሸገ CPO ተቐባልነት የብሉን፡፡

6. ጨረታ ዕለት 22/07/2026 ሰዓት 4:00 ኣ.ግ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣ.ግ ድሌት ዘሎዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት፡፡

7. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ከምኡ'ውን ተሪቶም ዝሰዓርዎ ንብረት ንኻሊእ ሳልሳይ ወገን ምሕላፍ ኣይካኣልን፡፡ ጨረታ ዶክመንት ማህተምን ፌርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ ። አብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝአተወ ፖስታ ናይ ይመለሰለይ ሕቶ ብምንም መልክዑ ክስተናገድ ኣይከኣልን።

8. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከም ዘይሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ

9. ተጫረቲ ንሕድሕድ ተረፈ ምሕርቲ ነፀላ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ከርእዩ ዝግባእ እንትኮን ናይ ድምርን ስልሒትን ጌጋታት እንተሃሊዩ ተጫራታይ ሓላፊነት ይወስድ፤ትካልና ናይ ተጫራታይ ስልሒት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፊነት ኣይወስድን፡፡

10. ሰዓሪ ተራቲ ጨረታ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩን ሙሉእ ቅድመ ክፍሊት ብምኽፋል አብ ውሽጢ 7ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓሩዎ ተረፈ ምሕረቲ ብዉዕሊ መሰረት ከልዕሉ ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ንመኸበሪ ጨረታ ዘትሐዝዎ CPO ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወስድ፡

11. ሰዓሪ ተጫራቲ ተረፈ ምህረቲ እንትርከቡ በዝሒ ኣፈላላይ እንተጋጢሙ በቲ ዝተረኽበ በዝሒ መሰረት ኣቕሑ ናይ ምቅባል ግዴታ ኣለዎ ።

12. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዚ ጨረታን ንብረት ምልዓልን ዝተትሓሓዙ ኩሉ ዓይነት ወፃኢታት ማለት ናይ ሰብ ሓይሊ፣ ናይ ትራንስፖርት---ወዘተ ኩሉ ባዕሉ ከቕርብን ክኸፍልን ይግባእ፤ ትካልና ምስዚ ጨረታ ዝተትሓሓዘ ምንም ዓይነት ናይ ሰዓሪ ተጫራቲ ወፃኢታት ኣይሽፍንን።

13. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡