ቤት ፅሕፈት ትልምና ፋይነስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

ዓይነት ስራሕ ሶላር ቴክኖሎጂ ተከላን ሲሰተምን ኢነርጅን መስራሕን በዝሒ ናይ ሰለሰተ ሓባር ዒላ ዝስረሐሉ ጣብያ ገረብ ሰመማ ዝረከቡሉ ቁሸት ዓባቆ ፍሉይ ቦታ ሰግዶ በዝሒ ሰለሰተ ዘድሊ መዓልቲ 30 ፍልፍል በጀት ዩንዲፒ

1 ክትወዳደሩ ብኤሌክትሪካል መሳርሒ ሶላር ቴክኖሎጂ ተከላን ስራሕቲ ልዕል ሐደ ሚልዩን ብር ሰረሑ ዘረከበ ምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ብሶላር ቴክኖሎጂ ተከላን ስራሕ ሰሪሑ ናይ ሐደ ዓመት ስራሕ ልምድን ከምእዉን ናይ መወዳእታ ክፍሊት ዝተአዘዘሉ ማለት ፐይመንት ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ብናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ቀረብ ሶላር ሲሰትም ተከላን ፅገናን ስራሕ ዘርፊ ዘለዎን ከቅርብ ዝክእል

4 ቫት ተመዝገብቲ ዝከንኩም ናይ ቫት ምዝገባ ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ወርሒ ሚያዝያ ወይ ጉንበት 2018 ዓም ቫት ሪፖርት ከቅርብ ዝክእል

6 ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰርተፊኬት ወይም ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል

7 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል ወይ ኣብ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሐበሬታ ዝተመዝገበ ምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

8 ጨረታ መከበሪ ብር 15000 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ብጥረ ገንዘብ ተኮይኑ ናብ ባንኪ ንግዲ ኢትየጰያ ብጥረ ገንዘብ ተኮይኑ ናብ ባንኪ ንግዲ ኢትየጰያ ሒሳብ ቁፅሪ 1000539538431 ኣታዊ ገይሩ ስሊፕ ደረሰኝ ከቅርብ ይክእል

9 ተወዳዳራይ ቴክኒካል ልዕል 70 ሚእታዊ ዝርከበ ናብ ፋይናንሻል ወድድር ይሓልፍ ኣብ ፋይናሽል ዝተሐተ ዋጋ ዝመለአ ሰዓራይ ይከዉን

10 ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ኣብ ነብሰወከፍ ነፀላ ስራሕ በጀት መሰረት ዝገበረ ክሳብ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል ከምዘለዎ ክፍለጥ ይግባእ

11 ንኩሎም ፈቃዳትን ካልኦት ቴክኒካል መረዳአታ ኦርጅናል ምስ ሐደ ኮፒ ቅዳሕ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

12 ዝተመለአ ሰነድ መቅረቢ ሐደ ኦርጅናል ሐደ ኮፒን ብጠቅላላ ክልተ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል

13 ኣብ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እንተሃሊዎ ድማ ናይ ባዕል ዋና ፊርማን ማህተምን ክህልዎ አለዎ ተዘየኮይኑ ካብ ጨረታ ይሰረዝ

14 ተጫረቲ ኣብ ተቅርብዎ መወዳደሪ ሰነድ ሽምን ኣድራሽ ከተማን ማሕተምን ክዓርፎ አለዎ

15 ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 12 ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ ብር 500 እናከፈሉ ካብ 12/10/2018 ዓም ክሳብ 26/10/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ክትወስዱ ከምትክእሉ ንዕድም

16 ሰነድ ጨረታ ዝሐዘ ሳንዱቅ 29/10/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይክፈት ይኩን ዳኣምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም ከይዲ ምከፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

17 ቤት ፅሐፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342440307