ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳር ክልል ትግራይ
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
* ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ን2018 በጀት ዓመት ማእኸላይ ኮቦርታ ብግልፂ ጨረታ (መተሓሳሰቢ ቁፅሪ፡ ዘ/ፋ/ቢ/ሰ/ፀ//ግ/ጨ/ቁ 007/2018) ክዕድግ ይደሊ።
* ተጫረቲ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ፣ ናይ VAT ምዝገባ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰርተፊኬት (TIN)፣ ናይ ግብሪ ክፍሊት መረዳእታን ናይ መቕረባይነት ፈቓድን ክህልዎም ይግበኦ።
* ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይይምለስ 300 ብር ብምኽፋል ካብ ዕለት 13/10/2018 ዓ.ም እስከ 18/10/2018 ዓ.ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክዕደግ ይከኣል።
* ጨረታ ብዕለት 18/10/2018 ዓ.ም (ሰነ 18) ረፋድ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ፡ ብተመሳሳሊ ዕለት ረፋድ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

ንኻልኣይ ጊዜ ዝወፀኣ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ዘ/ፋ/ቢ/ሰ/ፀ//ግ/ጨ/ቁ 007/2018

ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ን2018 በጀት ዓመት ማእኸላይ ኮቦርታ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ብምዃኑ ልዕል ኢሎም ኣብ ዝተጠቐሱ ዘርፊ እትነጥፉ ነጋዶ፦

➢ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ዘለኩም ዣት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም

➢ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ

➢ ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰርተፊኬት (TIN)ን ናይ መቕረባይ ፈቓድ ዘለኩም ንኽትሳተፉ ይዕድም። ብምዃኑ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዝርዝር መምርሒ ዝሓዘ ሰነድ ብር=300.00 (ሰለስተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ) ብምኽፋል ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እዚ ፃውዒት ጨረታ ካብ ዝተገበረሉ ዕለት 13/10/2018 ዓ.ም - 18/10/2018 ዓ.ም ሰነድ ጨረታ ብምግዛእ በቲ ቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክተእትዉ ከም እትኽእሉ ይገለፅ፡፡ እዚ ጨረታ ሰነ 18/2018 ዓ.ም ረፋድ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ረፋድ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት፡፡

ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ምሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

‹‹ምስ ሰላምታ››

ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰ/ፀጥታን

• ንተወሳኺ ሓበሬታ 0914008595/0920426802