ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት
ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባዕሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ገባሪ ሰናይ ትካል Caritas Germany ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ጉሎሙካዳን ኢሮብን Rehabilitation and Drilling of shallow wells ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ
➢ በቲ ዘርፊ(Water work) VAT ተመዝገብቲ ደረጃ -5 ን- ልዕሊኡን ዝኾንኩምን ኮንትራክተራት ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 22 /05/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት02 /06/ 2026 ኣ/ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።
➢ እቲ ጨረታ ዕለት 02 /062026 ኣ.ፈ ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ቴክኒካል ደኩመንት ጥራሕ ይኸፈት :: ፋይናንሻል ደኩመንት ዝሓዘ ሰነድ ድማ ቴክኒካል ምስተኸፈተ መዓዝ ከምዝኸፈት ብምልክታ ዝግለዕ ይኸዉን።
➢ ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ደረሰኝ ናይ መሽን ወይ ካብ ብርሃንንና ሰላም ማተምያ ቤት ዝተሓተመ ክኸዉን ኣለዎ ነባር ደረሰይ እንተኾይኑ ድማ ድጋፍ ደብዳቤ ካብ ዝምልከቶ ከምፅእ ይግደድ።