ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓይደር

/ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለከተማ ዓይደር ንዝተፈላለያ አብያተ-ፅሕፈት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቕሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲርና ክንገዝእ ስለዝደለና ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም፡፡

ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እንተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ንዕድም

1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈለ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ሰርቲፊኬትን፡ ቲን ቁፅሪ ዘቅርብን መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎን ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ 03/09/2018 ዓ/ም ክሳብ 12/09/2018 ዓም ዘይምለስ 100 ብር ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ቁፅሪ 5 ምውሳድ ይከአል

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 12/09/2018 ዓም ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕር ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት ተዘይሃልዮም ዉን ኣብ ወሽጢ ሳንዱቕ ዝተረኸበ ፖስታ ይክፈትን ይግምግምን

4. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር ካብ ባንክ ዝተረጋገ ቼክብሲፒኦ /ጥር ገንዘብ ክትሕዝ ይኽእል።

5. ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒን ዝተዓሸገ ፖስታ የቅርብ፡፡

6. ሰዓራይ ምስዓሩ ምስፈለጠ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ውዕሊ ይአስር =

7. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝትሓለወ እዩ።

8. ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕለ ትራንስፖር ናብ ቤት ፅሕፈትና የቅርብ። በአድራሻና ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ታሐተዋይ በሪ ኣ

10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 091400680 ደዊልካ ምሕታት ይክእል፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክከይደር