ቃላሚኖ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝርከብ ፍሉይ 2” ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ን2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ ሰራሕተኛታት ጫማ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም

ተደላይ ረቛሒታት ዝርዝርከም ዝስዕብ ይኸውን

➢ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ ቲን ናምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ፎቶኮፒ ገይሮም ከትሕዙ ኣለዎም፡፡

➢ ሻት ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ መጋቢት ወርሒ 2018 ዓ/ም

➢ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምዝገባ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል፡፡

➢ ናይቲ ጨረታ መኽበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) 15,000 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ከቕርብ ዝኽእል።

➢ አብ መዘርዝር እስፐሲፍኬሽን /ብዝቐረቡ ጥራሕ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ ኢዚ ጨረታ ሲዒርካ ምስተብሃለ አብ ውሸጢ 2 መዓልቲ ውዕል ኣሲሩ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከቕርብ ዝኽእል።

➢ እዚ ጨረታ ክመልእዎ ከለዉ እቲ ዋጋ ምስ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ይሕብሩልና ኣንተዘይሓቢሮም ምስ ቫቱ ከምተመልአ ተገይሩ ይውሰድ።

➢ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ናይ ትካልኩም ማህተምን ሸምን ይጠቀሙ።

➢ እቲ ጨረታ ቤት ትምህርትና 20% ናይቲ ንብረት ምቕናስ ንምውሳኽን ይኽእል እዩ፡፡

➢ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00 (ሚእቲ ቅርሺ ጥራሕ) ብምኽፋል ኣብ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤትትምህርቲ ቓላሚኖ ቢሮ ቑፅሪ 25(ገንዘብ ተሓዚት እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ንጉሆ ካብ 2፡30 ክሳብ 6፡00 ድሕሪ ሰዓት ካብ 8፡00 ክሳብ 10፡00 ምውሳድ ይከኣል።

➢ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰልና ዝተሓለወ እዩ፡፡

➢ እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 08/05/2026 ኣ.ፈ ክሳብ 22/05/2026 ኣ.ፈ ፀኒሑ፤ ዕለት 22/05/2026 ኣፈ ሰዓት 4፡00 ታዓፅዩ ሰዓት 4:30 ኣብ

ኣዳራሽ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኩሎም ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት፡፡

NB ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0945462700/0914763004 ደዊሎም ምሕታት ይከአል እዮ፡፡

ዝርዝር ዓይነት ጨረታ

ተቁዓይነት ኣቁሑትመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠቅላላ ዋጋ
01Shoes male as per samplePair39
02Shoes female as per samplepair46