ፋብሪካ መፃረዪ እሹግ ናይስ ማይ ንምሻጥ ን2 ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ትካልና ፍረ- ስዉኣት ስራሕቲ ንግዲ ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ኣብ ኣግበ ዝርከብ ኣብ 5,300 ሜ.ካ ዝዓረፈ ነቲ ፋብሪካ ዝምግብ ተፈጥራዊ ዝፃረ ማይ ብጣዕሚ ተመራፅን ንጥዕና ዝስማዕማዕን ፍልፍል ማይ ዘለዎ መፃረዪ ፋብሪካ ማይ ናይስ ብዘለዎ ኩነታት ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ። በዚ መሰረት ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሕታት እተማልኡ ብቑዓት ተጫረቲ ንኽትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ተጫራታይ መኽበሪ ጨረታ ብር 100,000.00 (ሓዳ ሚኢቲ ሽሕ) ብሽም ፍረ-ስዉኣት ስራሕቲ ንግዲ ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ብባንኪ ዝተዳለወ CPO ከትሕዙ ይግባእ፣
2. ተጫራቲ እቲ ፋብሪካ ብኽፋል /ብተናፀል/ ምሻጥ ዘይካኣል ምዃኑ ፈሊጦም ጠቕላላ ዝገዝእሉ ዋጋ ክመልኡ ይግባእ፣
3. ተጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዘሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ኮይኑ እቲ ዝቐረበ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ከምዝቐረበ ተገይሩ ይወሰድ።
4. ተጫረቲ ካብ ዕለት 26/8/2018 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 10/09/2018 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 1000.00 እናኸፈልኩም ካብ ትካልና ዋና ቤት ፅ/ት ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ ይሓ ሲቲ ሰንተር ቁፅሪ 2ተ 7ይ ደብሪ ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኹም ናይ ጨረታ ሰነድ ከትዕድጉ ትኽእሉ።
5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብፖሰታ ዝተዓሸገ ናይ ትካሎም ማሕተም ዝዓረፎ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 26/8/2018 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 11/9/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ንጎሆ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ።
6. ጨረታ ዕለት 11/9/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ንሱ ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት።ኮይኑ ግን ጨረታ ሰነድን ጨረታ መኽበሪ CPOን እንተተማሊኡ ተጫረቲ እንተዘይቀረቡ እውን ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይዓግትን።
7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ብጨረታ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝፈለጥሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ተ ማዓልቲ ብጨረታ ካብ ዘሸነፍሉ ጠቕላላ ዋጋ 50% /ፍርቁ| ከፊሎም ውዕል እንተዘይኣሲሮም ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዝዎ CPO ብር 100,000.00 ናብ ትካልና ኣታዊ ተገይሩ ናብቲ ቀፂሉ ዝሰዓረ ተጫራታይ ወይ እቲ ጨረታ ተሰሪዙ ካሊእ ኣመራፂ ክንወሰድ ንኽእል ኢና፡፡
8. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፡፡
ኣድራሻና ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሓወልቲ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ኣብ ጎኒ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ህንፃ ይሓ ሲቲ ሰንተር
ቁፅሪ 2ተ 7ይ ደብሪ ስልኪ-+251914729393/+251914707843