ፋበሪከ ጨርቃ ጨርቅ ኣልመዳ ሓ/ዝ/ው/ማ

በዚ መሰረት ምስቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ተታሓሒዞም ዘለዉ ዓይነታት ንብረት ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋወያን ተጫረቲ ነዞም ዝስዕቡ ረቆሒ ክተማልኡ ንገልፅ

1 ተጫረቲ ኣብዚ ጨረታ ንምጭራት ዝክእል ፋበሪካ ሓፂን መፂን ፋብሪካ መምከኪ ሓፂን ወይድማ በዘፈረ ንግዲ ሓፀን መፂን ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎ ኮይኑ ናይ 2018 ዓም ግበሪ ዝከፈለ ዝተሐደሰ ክሊራንስ ከቅርብ ዝክእል

2 ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ 5000 ብር ብስፒኦ ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫራቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ብስምዒ ዝተዓሸገ ኢቭሎፕ ወይ ድማ ፖስታ ሕጋዊ ማህተም ፊርማ ዘለዎን ካብ 13/8/2018 ዓም ክሳብ 27/8/2018 ዓም ኣብ ትካል ቢሮ ዕድጊት ኣቅርቦትን ወይ ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ዝረከብ ጨረታ ሳፁን ከእትዉ ይክእሉ

5 እዚ ጨረታ 27/8/2018 ዓም ንጉሆ 4:10 ተዓፀዩ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ይክፈት

6 ተጫረቲ ጨረታ ምስዓሮም ምስተገለፀ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓለቲ ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

7 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ምስ አሰረ አብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ መሉእ ክፍሊት ክፍፅም ዝክእል

8 ብተወሳኪ ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት አብ ዉሽጢ ሐደ ወርሒ ብባዕሉ ከልዕል ዝክእል

9 ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ዋና ትካል ወይድማ ኣብ ኣዲስ አበባ ጨንፈር ቢሮ ፋይናንስ ዘይምለስ ብር 20000 ከፊሎም ክዕድግ ይክእሉ

10 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ