ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ

ቁፅሪ/Ref.No.6z.2 ኤ - 2/ፕሮ 26

ን2 ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 27

ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብምልጣፍን ብምብታን ዝወፀ ብፕሮፎርማ እወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት

● ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነትን ዘለኩም።

● ናይ 2018ዓ/ም/ ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም።

● ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል።

● ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ አለዎ።

● መቕረብቲ ካብ ዕለት 13/08/2018 ክሳብ 15/8/2018 ዓ/ም ሰዓት 11፡30 ሰነድ ፕሮፎርማ ክትወስዱ ትኽእሉ።

● ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 16/08/2018ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት። እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኽፋት ዝዓግቶ የለን ።

ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ ኣለዎም ።

● አብዚ ፕሮፎርማ መማረፂ ንብረት ምቅማጥ አይፍቀድን

● ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ

● ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ ::

● አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ ኣብ ግራዉንድ ቢሮ ቁፅሪ 1 ወይ ዕደጋ ክፍሊ ።

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካአል።