1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎን : ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን
2 ናይ ወርሒ ለካቲት 2018 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበሉ ፀብፃብ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእልን ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎ
3 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መከበሪ ዉሕስና ንሎት ሐደ ማለት ፒቪሲ ኬዚንግ :ብለንድን ስክሪንን 6X 5 ሜትሮ ንዉሓት 1,000,000.00 ቅርሺ ሎት ክልተ ስቲል ኬዚንግ :ብለንድን ስክሪንን6X 6 ሜትሮ ንዉሓት 100000 ብር ብስፒኦ ወይ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ብባንኪ ጋራንት እንተነአሰ 30 መዓለቲ ቅቡል ኮይኑ ክፀንሕ ዝክእል ባንኪ ጋራንቲ ከትሕዙ አለዎም
4 ተጫረቲ ናይቲ ንመሸጣ ዝቀረበ ንብረት ዝገዝእሉ ዋጋ ብግልፂ ዝርዝር ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ከቅምጡ ይግባእ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ሙሉእ ብመሉእ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይግበር
5 ዘቅርብዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰን ዝወሐሰን ምካኑ ብግልፂ ክቅመጥ ይግባእ እንተዘይኮይኑ ቫት ከምዝሐወሰ ተገይሩ ይዉሰድ
6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 13/8/2018 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 28/8/2018 ዓም ሰዓት 3:00 ረፋድ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ክፍሊ ዕድጋ ብምዉሳድ እቲ ንብረት እዉን ብኣካል ምርኣይ ይክኣል
7 ነቲ ዝሽየጥ ንብረት ዝርዝር ዓይነትን ዝተሐተተ መበገሲ መሸጢ ነፀላ ዋጋን ሎት ሐደ ፒቪሲ ኬዚንግ ብለንድ 6 x 3merter ንዉሓት ብቁፅሪ 5199 በዝሒ ዝተሐተተ መበገሲ መሸጢ ነፀላ ዋጋ ምስ 15 ቫት 6700.50 ሳንቲም ሎት ሐደ ፒቪሲ ኬዚንግ ስክሪን 6 x 3merter ንዉሓት ብቁፅሪ 2428 በዝሒ ዝተሐተተ መበገሲ መሸጢ ነፀላ ዋጋ ምስ 15 ቫት 7129.50 ሳንቲም : ሎት ክልተ ቀዳማይ ስቲል ኬዚንግ ብለንድ 6 x 6meter ንዉሓት ብቁፅሪ 61 በዝሒ ዝተሐተተ መበገሲ መሸጢ ነፀላ ዋጋ ምስ 15 ቫት 35000 ብር :ሎት ክልተ ስቲል ኬዚንግ ስክሪንን 6 x 6meter ንዉሓት ብቁፅሪ 44 በዝሒ ዝተሐተተ መበገሲ መሸጢ ነፀላ ዋጋ ምስ 15 ቫት 40000 ብር
8 ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ፖስታ ዋናን ቅድሕን ተባሂሉ ነንበይኑ ኣብ ሐደ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ እዚ ግልፂ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26/8/2018 ዓም ንጉሆ ሰዓት 4:00 ከእትዉ ይግባእ
9 ሰዓራይ ዝፍለየሉ ብድምር ጠቅላላ ዋጋ ሎት ሐደ ፒቪስ ኪዝንግ ብለንድን ወይድማ ስክሪን 6x3 meter ኣብ ሐደ ሎት : ሎት ክልተ ስቲል ኬዚንግ ብለንድንስክሪንን 6x6meter ንዉሓት ድማ ንበይኑ ይከዉን
10 ተጫራታይ ናይቲ ኣብቲ ጨረታ ዝወፀ መጠን ፒቪሲ ኪዝንግ ብለንድን ስክሪን 6x3 meter 50 ሚእታዊን ልዕሊኡን ናይ ምዕድጋ ወይድማ ምጭራት ግዴታ አለዎ : ብተመሳሳሊ ሰዓራይ ናይቲ ጨረታ ዝወፀ መጠን ስቲል ኬዚንግ ብለንድን ወይድማ ስክሪንን 6x6meter ንዉሓት መሉእ ብመሉእ ማለት እዉን 100 ሚእታዊ ናይ ምጭራት ወይ ምዕዳግ ግዴታ አለዎ
11 ቀደማይ ዝወፀ ተጫራታይ ፒቪሲ ኪዝንግ ብለንድን ስክሪን 6x3 meter ሙሉእ ብመሉእ እንተዘይወሲድዎ እቲ ዝተረፈ በዝሒ ኪዚንግ በቲ ዝተስዓረ ዋጋ እቶም ካልኦት ተጫረቲ በቢ ዝወፅዎ ብርኪ ቅድሚያ እንዳተዉሃበም ክወስድዎ ይክእሉ እይም
12 እቲ ጨረታ 28/8/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሽጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ኣብ ዋና ቢሮ መኣከቢ ኣዳራሽ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫራቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ቤት ዕዩና ጨረታ ፖስታ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
12 ናይቲ ጨረታ ሰዓራት እቲ ንብረት ከምዝሰዓረ ብደሳብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ ናብ ናይ ትካል ሒሳብ ቁፅሪ ኣታዊ ምስገበረ ናይ ባንኪ ቅብሊት ብምምፃእ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መፅዓንን እቲ ንብረት ካብ ዝርከበሉ ካብ መቐለ ዋና ቢሮ ከልዕል ይግባእ
13 ሰዓራይ ኣብቲ ዝተብሃለ ግዜ ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ክፍሊት ፈፂሙ እቲ ንብረት እነተዘይኣልዒሉ ትካልና ናይቲ ሰዓራይ ትካል ንጨረታ መከበሪ ብስፒኦ ወይድማ ብባንኪ ጋራንቲ ዘትሓዞ ኣታዊ ተገይሩ እቲ ዝሰዓሮ ጨረታ ይስረዝ
14 ብተወሳኪ እዉን ሰዓራይ ክፍሊት ፈፂሙ ኣብቲ ዝተቀመጠሉ ግዝ እንተዘይወሲዱ ወይድማ እንተዘይኣልዒሉ ብናይ ትካልና አሰራርሓ መሰረት መክዝን ኪራይን ካልኦት ወፃኢታትን ብተወሳኪ ክፍሊት ብምፍፃም ንብረቱ ይወስድ
15 በዝሒ ናብቲ ጨረታ ዘቀረበ ንብረት ካብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተቀመጠ በዝሒ ክዉስክን ክቅንስን ይክእል እዩ
16 ተጫራታይ እቲ በዝሒ እንተበዝሑን እንተኒኡሱን በቲ ዝሰዓሮ ዋጋ ናይ ምዉሳድ ግዴታ አለዎ
17 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342400316