ፋብሪካ መሰቦ ስሚንቶ

1 ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ፕረፎርማ ማለት እዉን ናይ ዋጋ መቅረቢ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 24/8/2018 ዓም ሰዓት 400 ናይ ንጉሆ ናብ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ከቅርቡ አለዎም

2 ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ናይቲ ስክራፕ ንምርኣይ ኣብ ስራሕ ሰዓት ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሪ ክሳብ 24/8/2018 ዓም በኣካል እስክራፕ ንብረት ኣብ ዘለዎ ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሓላፈነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ሓፁር ዉሽጢ መፂኦም ክሪኡ ይክእሉ

3 ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዘይምለስ 200 ቅርሺ እናከፈሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ክፍሊ ቁፅሪ 315 ምዉሳድ ይክእሉ

4 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ቅዳሕ ምስ ጨረታ ሰነዶም ከቅረቡ ዝክእሉ

5 ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ናይ ጨረታ ዉሕስና 2 ሚእታዊ ካብ ዘትሓዝዎ ጠቅላላ ዋጋ ብመልክዕ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ አለዎም

6 ብተወሳኪ ሰዓራይነቱ መስተረጋገፀ 10 ሚእታዊ ናይ ስራሕ ዉሕስና ምስ ኣትሓዘ ንጨረታ ዉሕስና ዘትሓዞ 2 ሚእታዊ ይልቀቀሉ

7 24/8ሐ2018 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንገሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:15 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት

8 ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ሓላፈነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ሙሉእ ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ጨረታ ዝሰዓረ ብፅሑፍ ምስአፍለጥና መሉእ ዋጋ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ገነዘብ አታዊ የገብር

10 ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ እንተነዉሐ ኣብ 20 መዓለቲ መሉእ ብመሉእ ብጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት ክልዕል አለዎ ኣብ ዝተጠቀሰ ዕለት እንተዘይኣልዐሊ ዉሕስና ባነኪ ናብ ትካልና አታዊ ከምዝከዉን ክንገልፅ ንፈቱ