ቑፅሪ ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን <3>
ዕለት 01/08/2018 ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 01/2018
ንማይጨው ሕርሻ ኮለጅ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ሃፍቲ እንስሳት ኣቁሑት ፣ ኤሌትሪካል ጀኔሬተርን ናይ ማይ ፓምፕ ጀኔሬተርን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቛሒ ክተማልኡ ይግባእ፡፡
1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዝኩም ክተቕርቡ እትኸእሉ
2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን IN ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኸእሉ
3. ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርቴፊኬትን ናይ ጥር ዴክሌር ዝገበርኩሙሉ መረዳእታን ክትቅርቡ እትኽእሉ፣
4. ናይ መቕረባይነት ሰርቴፊኬት ዝሓዝኩም
5. ሰነድ ጨረታ ፎቶ ኮፒን ኦርጅናልን ብ2' ፖስታ /ኢንቨሎፕ/ ተዓሽጉ ከቅርብ ዝክእል
6. ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10' ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕልኹም መጓዓዝያ ናብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ብፅሬትን ብመጠንን ተቕርቡ ምዃንኩም ፣
7. ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓርኹምዎ ንብረት ሓደ ዓይነት ዋጋ ንዘቅረብኩም ተወዳደርቲ ብዕጫ እትፍለዩ ምዃኑ፣
8. መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካልኩም ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ ፣
9. ኣብ ነሰድ ጨረታ ዝምላእ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ ፣
10. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 500.00 /ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር/ እናኸፈልኩም ካብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ኣብ ቁፅሪ ቢሮ 02 ህ-B-25 ካብ ዕለት 01/08/2018 ዓ/ም ክሳብ 15/08/2017 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 እናመፃእኹም ክትወስዱ ትኸእሉ ፣
11. እቲ ጨረታ ዕለት 16/08/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ተኣሽጉ ኣብቲ ዕለት ስዓት 4፡00 ኣብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት ፡፡
12. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ናይ ሃፍቲ እንስሳት ኣቁሑት ፣ ኤሌትሪካል ጀኔሬተርን ናይ ማይ ፓምፕን ብር 5000.00 /ሐሙስተ ሽሕ ብር/ ብ CPO ı ብባንክ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትኸእሉ ፣
13. ዝተወዳደርሉ ሰነድ ኮፒን ኦርጅናልን ክትኣቅርቡ እትኸእሉ ከምኡ ድማ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ሕድ ሕድ ገፅ ናይ ተጫረቲ ማህተም ብምግባር ብዝተኣሸገ ፓስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥንዱቕ ተእትው ትክእሉ፡፡
14. ናይ ሕድ ሕድ ንብረት መዐቀኒ ብነፀላ ወይ ብፓኬት ምኻኑ ኣስተውዒሎም ዋጋ ይምልኡ፡፡
15. ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0347770388 ደዊልኩም ክትረኸቡ ትኸእሉ ምዃንኩም ንሕብር