ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

ዕለት ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/1232/2018

ዕለት:- 15/07/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ ጀስትስ ፎር ኦል ብዝተረከበ በጀት ኤሌክትሮኒክስ ብሜሌ ዕደጋ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡

✓ ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሐለ እዋን ካብ ዕለት 15/07/2018 ዓ/ም ክሳብ 17/07/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 18/07/2018 ዓ/ም ስዓት 9፡30 ናይ ድሕሪ ስዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ስዓት አብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክ/ትግራይ ዳ/ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ ዝኸፈት ኾይኑ እንተዘይተረኪቦም ግን እቲ ጨረታ ካብ

ምክፋት አይክልከልን፡፡

✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 /ሰለስተ/ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንብረት ብፅሬትን ብመጠንን ከቅርብ ዝክእል፡፡

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር

✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡