ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ማዛጋጃ ከተማ ነጋሽ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ንቤት ፅሕፈትና ከተማ ነጋሽ ንግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፣ናይ ፈርንቸር ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ሰለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቀሱ ዝርዝር ረቓሒታት እተማልኡ ሕጋውያን መቅረብቲ/ተጫረትቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
በዚ መሰረት ናይ ተጨረትቲ መምርሒ
1. ተረትቲ ናይ እትወዳደርሉ ዘርፊ ንግዲ ኣብ ፖስታኩም ውሽጢ ናይ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድኩም ፣ መቅረባይነት ካርድን ኮፒ ክተታሓሕዙ ግድን እዩ።
2. ተጫረትቲ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ካርዲ ወይ ቲን ናምበር ቁፅሪ ብተወሳኪ ድማ ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ተመዝገብቲ መረዳእታ ኮፒ ክተሓሕዙ ግድን እዩ።
3. ተጫረቲ ቫት /Value added tax/ ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ ዝሓለፈ ወርሒ /declaration/ ድክለር ዝግበረሉ መረዳእታ ዘቅርቡ ወይ ብፈደራል ኤጀንሲ ዕደጋ ምም/ር ንብረትን ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሓበሬታ ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርብ።
4. ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ካብዚ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ኣብ ከልእ ሰነድ መሊእካ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን። ብተወሳኪ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ተወዳደርቲ ብነፀላ ኣቅሓ ሰዓራይ ዝፍለ ኮይኑ ኣብ ሕድሐድ ማተርያል ናይ ቫት ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቐ ትክክለኛ መቅረቢ ነፀላ ዋጋ
ከቅምጡ ኣለዎም።
5. ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽም ፈርማ ኣድራሻ ሕጋዊ ማህተም ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ክግበሮ ኣለዎ ።
6. ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ መክፋቱ መክበሪ ጨረታ /ብጥረ ገንዘብ / ብባንኪ ዝተረጋገፀ መ።እዘዚ ክፍሊት ቸክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ /ብሲፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክረዲት ክትሕዙ ይግባእ።
➢ ንናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት -5000
➢ ንናይ ፈርንቸር ኣቁሑት -5000
7. ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ነጋሽ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንምምሃርን ዘይምለስ ብር 300 /ለቶ ሚኢቲ ብር/ጥራሕ እናከፈሉ እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 22/02/2018ዓ/ም ክሳብ 24-0/2018ዓ/ም ሳዓት 300ቅድሚ ቀትሪ ክወስዱ ይክእሉ።
8. እቲ ጨረታ ዕለት 2/12/2018ዓ/ም ቅድሚ ረፋድ ተዓፅዩ /ተዓሽጉ ብተመሰሳሊ ዕለት20 /2018ዓ/ም ሰዓት 3:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ እዋን ይክፈት እንተዘይሃለዉ እውን ኣብ ውሽጢ ጨረታ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት።
9. ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጋዓዓዚ ናብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ነጋሽ ከረክቡ ዝክእሉ።
10. ሰዓራይ ዘቅርቦ ንብረት በኦርጅናል መካኖም ክፈልጥ ኣለዎ።
11.ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ማለት እውን ናይ ኤሌክተሮኒክስ ኣቁሑት ናይ 2 ዓመትን ልዕሊኡን ዋስትና ክቅርብ ዝክእል።
12. ተወዳደርቲ ንዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ንበይኑ ፎቶ ኮፒ ንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታው ይካኣል።
13. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
14. ስዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫራታይ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ብውዕሉ መሰረት ስርሑ ክጅምር ዝኸእል እንተዘይጀሚሩ ግን ዘትሐዞ መኽበሪ ጨረታ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ፦ ብስ/ቁ 0914160647 ወይ 0946476869ወይ0932065744 ወይ 0914150815 ምሕታት ይከኣል።