1 ተጫረቲ ናይ እትወዳደርሉ ዘፈር ንግዲ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ : መቅረባይነትን ወረቀት ምስክር ቅዳሕ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
2 ተጫረቲ መለለይ ቁፅሪ ናይ ግብሪ ከፋላይ : ተመዝገብቲ ተወሳ እሴት ታክስ ቅዳሕ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ተኮይኖም ናይዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ወይድማ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ፊርማ ሽምን ኣድራሻን ሕጋዊ ማህተምን ኣብነብሰወከፈ ገፅ ክዓርፎ አለዎ
5 ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ካብቲ ዝተዉሃቦም ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ኣብ ካሊአ ሰነድ መሊእካ ምቅራብ ተቀባልነት የብሉን
6 ብተወሳኪ ኣብ ሕድሕድ ናዉቲ ናይ ቫት ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቀ ትክክለኛ ነፀላ ዋጋ ክቅመጥ አለዎ
7ተጫረቲ ናይ ዉሕስና ወይ መክበሪ ጨረታ ቅድም ጨረታ ምክፋቱ ናይ 50000 ብስፒኦ ጥራሕ ከቅርቡ ዝክእሉ
8ተጫረቲ ዘይምለስ 1000 ቅርሺ ብምክፋል ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 14/7/2018 ዓም ክሳብ 28/7/2018ዓም ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፅኡ ክወስዱ ይክእሉ
9 እቲ ጨረታ 28/7/2018 ዓም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት ተጫረቲ ተዘይሃለዉ እዉን አብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝረከበ ጨረታ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት
10 ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዕሸለ ከተማ ዴስኣ ከረክቡ ዝክእሉ
11 ብቅዓቱ ብባዓል ሞያ ዝተረጋገፀ ክፍሊት ዝፍፀም ይከዉን ሰዓራይ ዘቅርቦ ትክክልኛ ወይድማ ኦርጅናል ንብረት ምኮኑ ክፍለጥ አለዎ
12 ተወዳደርቲ ንዝመልእዎ ሰነድ ዋጋ ዋና ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ብኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይከኣል
13 ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ወይ ናይ ምቅናስ መሰል አለዎ
14 ዊዝሆልድ ታክሲ ምክፋል ግዴታ ምካኑ ክርዳእ ይግባእ
15 እቲ ቤት መዘጋጃ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0993943068 0901295518