ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ

ንኻልኣይ ግዜ ዝወፀ ጨረታ

ምልክታ ጨረታን ተጫረቲ ከማልኡዎ ዝግባእን

ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ኣብ ናይ 2018 ዓ/ም በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ቤት ፀሕፈት ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ቁሸታት/ጣብያታትን ወረዳታትን ዝርከቡ ማ/ሰብ ደኒ ብርስት አግራብ ንምክልኻል ማለት'ውን ማ/ሰብና ንዝተፈላለዩ ምሕበራዊ ጉዳያቱ ክብል ብቁፅሮም ዘይነዓቁ አግራባት እንዳቆረፀ ዳስ ሰሪሑ ማሕበራዊ ትሕዝትኡ እናሕለፈ፣የሕልፍን ከምዘሕልፍን ኩላትና እንፈልጦ ወድዓ ሓቂ እዩ ። ስለዚ እዚ ፀገም እናረኣና ክንቅፅል ስለዘይብልና ፤ ማ/ሰብና ድማ ካብቲ ማሕበራዊ ጉዳይትን ባህሉን ክፍለ ስለዘይኽእል ከም መፍትሒ ባላን ካልኦት አእዋምን ብብረት ወይም CHS (Circular Hallow Section -GI pipe) ምትካእ እዩ።ስለዝኾነ ድማ ናይ ብረታ ብረት ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ኣብ ክልልና ትርከቡ ማሕበራትን ናይ ውልቀ ትካላትን ኩለኹም ፤ ትካልና ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ብዝሓዞ መደብ ከስርሕ ይደሊ።ካብዚ ብተወሳኺ ሰዓራይ ክኸውን ዝኽእል ዝተሓተ ዋጋ ዝመልአ እንትኸውን ድሕሪ ውዕሊ ምእሳር ሓድ ሳምፕል(ንሞሞክሪ ዝኸውን 6 ማይቤት በቲ ዲዛይን መሰረት ሰሪሑ ሕድሕድ ማይ ቤት አገጣጢሙ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ) ክቅርብ ዝኽእል :: ናብ ሕድሕድ ተጠቀምቲ ክጋዓዕዙ ኣይግደዱን ማለትውን ናይ መጋዓዓዚ ኣብ ግምት ከየእተዉ ክመልኡ አለዎም ።እቲ ትካል ባዕሉ ካብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ናብ ተጠቅምቲ ስለዘከፋፍሎ ።ካብዙይ ብተወሳኺ ክፍሊት ዝምልከት፦ ክፍሊት ክኸፈሎም ወይም ክኸፍለን ዝኽእል እቲ ዝተወሃቦም ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ሰሪሖም ምስወድኡ ምኻኖም ክፈልጡ ይግባእ።

1) ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሓታት ከማልኡ ኣለዎም። ተጫረቲ ኣብ ክልለና ዝርከቡ ንግዲ ትካላት ናይ ብረታ ብረት ማሕበራትን ውልቀን ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ክጫረቱ ይክእሉ እዮም።

2) ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ብዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ትካል ምስክር ወረቐት፣ ናይ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ንግዲ ሰራሕ ፍቃድን፣ ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርተፍኬት /TI/፣ናይ መቕረባይነት ፤ ቫት/VAI ሰርተፍኬትን ዲክላሬሽንን ከቕርቡ ዝክእሉን ቫት/VAT/ ተመዝገብቲ ጥራሕ ክኾኑ አለዎም ።

3) መኽበሪ ጨረታ ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቐደሎም ባንክታት (CPO) ብር (200,000/ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ) ጥራሕ ከቕርቡ ኣለዎም።

4) መኸበሪ ጨረታ ብኣድራሻ ናብ ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ተባሂሉ ክፃሓፍ ኣለዎ ብተወሳኺ ዕለትን ሽምን ኣብቲ መኸበሪ ጨረታ ክፅሓፍ ኣለዎ፡፡

5) ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ስራሕቲ ውዕሊ ካብ ዝፍፅምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 60( ስሳ) ተኸታተልቲ መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም ፡፡

6) ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 07/7/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ኣክሊል ህንጻ(ዓዲ ሓቂ ጥቃ GIZ ) ናብ ዓይደር ዝውስድ መንገዲ ኣድላይ መረዳእታታት ብር 500.00 ብምኽፋል ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።

7) ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ሓደ ኦርጅናል ፣ ሓደ ፎቶ ኮፒ ዝሓዘ ሰነድ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስ ዓሽጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብዪ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ትካል ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ፖስታ ብቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 12/7/2018 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ኣለዎም፡፡

8) ተጫረቲ እቲ ጨረታ ሰነድ ብውነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ፊርሞኦምን ማሕተሞምን ብምዕራፍ እቲ ጨረታ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

9) እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 12 / 7/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 4፡15 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክኽፈት እዩ።

10) ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀነሐሉ ግዜ ን 5/ ሓሙሽተ ተኸታተልቲ መዓልትታት እዩ።

11) ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ኩሎም ኣብ ናይ ብረታ ብረት ንግዲ ፍቃድ ዝተዋፈሩ እዮም:: ማለት ውን ናይ ኮንስራክሽን ወይም ናይ ሕርሻ ንግዲ ፍቃድ ኣየካትትን ብፉሉይ ናይ steel structure ስራሕቲ ፍቃድ ተዘይሃልዩዎ።

12) ሰዓራይ ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ መዓልትታት ኣብ ውሽጢ 5 መአልትታት ወዕሊ ኣሲሩ ስራሕ ኸጅምር ዝኽእል።

13) እቲ ከይዲ ስራሕ ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ 'ዘተሓለወ እዩ፡፡

❖ ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ብኣካል ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0914097630/0914784483 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ ኣድራሻ ዓዲ ሓቂ ኣከሊል ህንፃ ጥቃ GIZ ሓሸንገ ኮሌጅ ዝነበረ።