ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ

1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም

2 በቲ ዘፈር ናይ 2018 ዓም በጀት ዓመት ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰ ከምእዉን ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለዎ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገበ ምካኑ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ካብ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 2/7/2018 ዓም ሰዓት 2:30 ጀሚሩ ክሳብ 17/7/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ካብ ቤት ፅሕፈትን ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ናይ መኪና ጎማ 100 : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪናን ሞተርን ዘይትን ቅብኣት ብነፃ ሰነድ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ምምሕዳር ንብረትን ካብ ቢሮ ቁፅሪ 7 ምዉሳድ ይከኣል

5 ተጫረቲ መጎዓዝያን ብናይ ባዕሎም ብምሽፋን ናብ ወረዳ ዓድዋ ቤተ ፅሕፈተ ዘፈር ቁጠባ ከቅርቡ ዝክእሉ

6 መከበሪ ሰነድ ጨረታ ናይ መኪና ጎማ መለዋወጢ 15000 ብር : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪናን ሞተርን 2000ብር :ዘይትን ቅብኣት 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመሰረት ዉሕስና ባንኪ ከትሕዝ ዝክእል

7 ሰነድ ጨረታ 2/7/2018 ክሳብ 17/7/2018 ዓም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ኣታዊ ኮይኑ ልክዕ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:15 ንጎሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊያን ወከለቶም እቲ ጨረታ ይክፈት ይኩን እምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ዋላ ኣይርከቡ እቲ ጨረታ ከብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

9 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ካብ 10 ማዕልቲታት ዘይበልፅ ይከወን

10 ተጫረቲ ንዝቅርብዎ ንብረት ቤት ፅሕፈት ብዘቅረቦ መምርሒ ብወካሊ መርኣያ ወይ ብባዕል ሞያ ብዘረጋገፆ መሰረት ከቅርብ ዝክእ

11 ቤት ፅሕፈትና 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

12 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914175554 0946468445 0914744942