ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ገባሪ ሰናይ ትካል CARIAS GERMANY Abergele ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ ዕገና ቤት ት/ቲን ተወሳኺ ክፍልታትን 2 ሎታት ከፋፊሉ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ
➢ በቲ ዘርፊ ደረጃ -8 ን- ልዕሊኡን ዝኾንኩምን ኮንትራክተራት ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ
ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 11/03/ 2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 20 /03/ 2026 ኣ/ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።
➢ ሓደ ተጫራታይ ኣብ ሓደ ሎት ጥራሕ እዩ ክወዳደር ዝኸእል
➢ እቲ ጨረታ ዕለት 20 /03/2026 ኣፈ ስዓት 8:30 (local time) ተዓዕዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ቴክኒካል ደኩመንት ጥራሕ ይኽፈት :: ፋይናNሻል ደኩመንት ዝሓዘ ሰነድ ድማ ቴክኒካል ምስተኸፈተ መዓዝ ከምዝኸፈት ብምልክታ ዝግለፅ ይኸዉን።
ምስ ሰላምታ
Mekelle, Tigray, Ethiopia P.O. Box 69 Tel 0344 41-84-42 | Email decodrdinátor@ethionet.et