2ይ ግዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ብዝርዝር ዘሎ ናይ ሰራሕተኛታት ጫማን ካልኦት ንሴፍቲ ዘገልግሉ ኣቑሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ዘይምለስ ብር 200.00 (ክልተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም::
1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትክእሉ፡፡
2. ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን TIN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትኽእሉ።
3. ቫት ተመዝጋብቲ ዝኾንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ።
4. ናይ ወርሒ ታሕሳስ ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡
5. ጨረታ መኽበሪ ብ C.P.O.ወይ ብጥረ ገንዘብ 3,000.00 (ሰለስተ ሽሕ) ብር ከትሕዙ ዝኸእሉ።
6. ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ውዕሊ ኣሲሮም ንብረት ኣብ 15ተ መዓልቲ ብውዕሊ መሰረት የረክቡ።
7. ጨረታ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ ዕለት 30/06/2018 ክሳብ 14/04/2018 ዓ/ም ኮይኑ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 4፡00 ተዓሽጉ ስዓት 4፡30 ይኽፈት ፡፡
8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0914-752718 ወይም ብኣካል ብምምፃእ ዓዲ ሓ ጥቓ ገነት መዕደሊ ነዳዲ ኣብ ዝርከብ ትካልና ምርካብ ይከኣል እዩ።
| ተ/ቑ | ዓይነት ንብረት | ዝተመረተሉ ዓዲ | መፍለይ ቑ. | መዕቀኒ | በዝሒ | ነ/ዋጋ | ጠ/ዋጋ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ሴፍቲ ቆዳ ጫማ | ውሽጢ ዓዲ | ሓፂን ዘለዎ 1” ደረጃ | ብፅምዲ | 118 | |||
| 2 | ሴፍቲ ቆዳ ጫማ ናይ ደቂ ኣንስትዮ | ውሽጢ ዓዲ | 1" ደረጃ | ብፅምዲ | 8 | |||
| 3 | ቆርበት ጉርዲ ጫማ | ውሽጢ ዓዲ | 1 ደረጃ | ብፅምዲ | 70 | |||
| 4 | ቆርበት ጉርዲ ጫማ ናይ ደቂ ኣንስትዮ | ውሽጢ ዓዲ 1 | ደረጃ | ብፅምዲ | 10 | |||
| 5 | ፕላስቲክ ቦት ጫማ | ውሽጢ ዓዲ | 1 ደረጃ | ብፅምዲ | 2 | |||
| 6 | ጓንቲ ናይ ቆዳ | ውሽጢ ዓዲ | ብፅምዲ | 2 | ||||
| 7 | ድምፂ መቆፃፃሪ /ኢር ማስክ) | ብፅምዲ | 2 | |||||
| 8 | ጓንቲ ፕላስቲክ | ውሽጢ ዓዲ | ብፅምዲ | 18 | ||||
| 9 | ፕላስቲክ ጃኬት | ውሽጢ ዓዲ | ብቑፅሪ | 1 | ||||
| 10 | ናይ ኢድ ጓንቲ ሸራ | ውሽጢ ዓዲ | ብፅምዲ | 1 | ||||
| 11 | ናይ ኣፋንጫ አሲድ መካላኸሊ | ውሽጢ ዓዲ | ብቑፅሪ | 20 | ||||
| 12 | ሄልሜት | ውሽጢ ዓዲ | ብቑፅሪ | 02 | ||||
| 13 | ናይ ኣፍንጫ ደሮና መከላኸሊ | ውሽጢ ዓዲ | ብቁፅሪ | 12 |