1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል
2 ብማይ ተንከፍ ኮንስትርክሽን ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ከቅርብ ዝክእልን
3 ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ አለዎ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4 ናይ ግበሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእል
5 ደቀቅቲ ትካልት ንግዲ ብርኪ 9 ዝኮነ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
6 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ብማይ ተንከፍ ከቅርብ ዝክእል
7 ቴክኒካል ሰነድ ምስክልተ ቅዳሕ መረዳእታ ኣብ ክልተ ፖስታ ዓሺጉ አተሓሒዙ ቴክኒካል ሰነድ ዝብል ተፃሒፉ ከቅርብ ዝክእል
8 ተወዳደርቲ ዘቅርብዎ ዝተመለአ ፋይናንሳዊ ሰነድ ሐደ ዋና ምስክልተ ቅዳሕ መረዳእታ ከቅርብ አለዎ
9 ተወዳደርቲ ዘቅርብዎ ቅዳሕ መረዳእታ ኣብ ግልፅነት ዝጎደሎም ዋና መረዳእታ ማለት እዉን ንግዲ ፈቃድ ዋንነት መረዳእታን ንመመሳከሪ ኣብ ጨረታ ምክፋት ከቅርብ አለዎ
10 መከበሪ ጨረታ 25000 ቅርሺ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 35 ተከታተልቲ መዓልቲ ይከዉን
12 ኣብ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን ተሃሊዎ ናይ ባዕል ዋና ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ድማ ይግባእ እንተዘይኮይኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይስረዝ
13 ከምኣድላይነቱ ከሳብ 20 ሚእታዊ ናይ ምቅናስ ወይድማ ናይ ምዉሳከ መሰለ አለዎ
14 ተጫረቲ ኣብ እተቅርብዎ መወዳደሪ ሰነድ ሕድሕድ ገፅ ሽም ኣድራሻ ክታምን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ
15 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ ቢሮ 12 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 2000 ብምክፋል ካብ 20/6/2018 ዓም ክብ 7/7/2018 ዓም ካብ ሰዓት 2:30 ጀሚሩ ክሳብ 11:30 ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ምዉሳድ ትክእሉ
16 እቲ ጨረታ 8/7/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፀዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዝተረከብሉ ይከፈት ይኩን እምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም በዘይምርካቦም ከይዲ ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን
17 ጨረታ ዝክፈት መጀመርታ ቴክኒካል ጨረታ ይከዉን
18 ኩሉ ዓይነት ሰነድ ኣብ ቴክኒካል ክኣተዉ አለዎ
19 መከበሪ ዉዕሊ ናይ ግድን ኣብ ቴክኒካል ጨረታ ክኣትዉ አለዎ
20 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ብመሉእ ወይድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ