ማህደረ ስብሓት ቅድስት ቅዱሳን ማርያም ቅዱስ ሩፋኤልን ካቴድሬል ቤተክርስቲያን መቐለ

ምልክታ ጨረታ

ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ቤተክርስቲያን ህንፀት እስካብ ግሬድ ቢም ማሻሻታን ዝተጠናቐቐ እንትኾን ሕዚ ግን ህንፃ መስርሒ ኮሚቴ ብናይ ጉልበት (ሰብ ሓይሊ) ዋጋ ንህንፃ ተቛረፅቲ ልዕሊ ግሬድ ቢም እስካብ 6 ሜትሮ ዝርክቡ ናይ ኩሎም ዓንድታት /columns /፣ ቢም / Beams/ ፣ ስላብ /Mezzanine slab/ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ::

ስለዝኾነ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሒታት ዘማልኡ ኮንትራክተራት በቲ ጨረታ ንኽሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም::

1, ደረጃ/5/ ሓሙሽተን (BC OR GC) ልዕሊኡን ብርኪ ፍቓድ ዘለዎ ኮንትራክተር

2,. ዝተሐደሰ ናይ 2018 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ ግብሪ ኸፋላይ መለለይ ቁፅሪ /TIN/፣ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን ዝወሃብ ናይ ብቕዓት መረጋገፂ ሰርተፊኬትን ናይ ሕሉፍ ወርሒ ቫት ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

3. ብስም ማ/ስ/ቅ/ቅዱሳን ማርያምን ቅ/ሩፋኤልን ካቴድራል ምም/ር ሰበካ ጉባኤ ዝተዘጋጀወ መኽበሪ ጨረታ ብር 100,000 /ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ብር/ ብመልክዕ ሲፒኦ ወይም ብባንኪ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ከትሕዙ ዝኽእሉ::

4. እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 23/06/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 07/07/2018 ዓ/ም ኣብ ቅዱስ ሩፋኤል ቤተክርስቲያን ብምቕራብ ዘይምለስ ብር 1000 /ሓደ ሽሕ/ ብምኸፋል ካብ ዲያቆን ተወልደ /0945990250/ ብደረሰኝ ምግዛእ ከምዝከኣል ንሕብር::

5. ተጫረቲ ክሳብ ሶኒ ዕለት 07/07/2018 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቕድሚ ሰዓት ብኣካል ብምምፃእ ሰነድ ከእትዉ ዝኽእሉ እንትኾን ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ አብ ዕለቱ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ቕድሚ ሰዓት ኣብ ቅዱስ ሩፋኤል ቤተክርስቲያን ቤ/ፅሕፈት ህንፃ መስርሒ ኮሚቴ እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝኽፈት እንትኾን ካብ ተጫረቲ ዝተሓተ ዋጋ ዘቕረበ ሰዓራይ ይኸውን::

6. እቲ ህንፃ መስርሒ ኮሚቴ ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምዃኑ እናሓበረ ተጫረቲ ብሞባይል ቑፅሪ 0914705990 /ፍስሃ/ ወይም 0914301778 /ሰሎሞን/ ብምድዋል ተወሳኺ ሓበሬታ ምርካብ ዝኽእሉ ምዃኖም ንሕብር::