ኤንተርፕራይዝ መፅናዕቲን ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ
⚡ AI ቅልጡፍ ፅማቕ
• ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሓ (Roter Head Sub Assy) ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
• ተወዳደርቲ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ TIN ቑፅሪ፣ ናይ መቕረባይነት ምዝገባ ሰርትፊኬትን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ቫት ዲክለሬሽንን ከቕርቡ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም።
• ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ዝግበኦ ኮይኑ፣ ኣሸናፊ ዝኾነ ተወዳዳሪ ዝተኣዘዘ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ከረክብ ኣለዎ።
• ፕሮፎርማ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ 10/06/2018 ዓ/ም ክሳብ 13/06/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ እዩ።

ምልክታ ፕሮፎርማ

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሓ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ከዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

2. ናይ መቕረባይነት ምዝገባ ሰርትፊኬትን TIN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

3. ቫት ተመዝገብቲ እንተኾንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ሻት ዝሓወሰን ክኸውን ኣለዎ፡፡

4. ሻት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ቫት ዲክለሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉ፡፡

5. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኾይኑ የገልግል።

6. ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ የረክቡ፡፡

7. ፕሮፎርማ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ 10/06/2018 ክሳብ 13/06/2018ዓ/ም ስዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ይኸውን፡፡

8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0914-752718 ወይም ብኣካል ብምምፃእ ዓዲ ሓ ጥቓ ገነት መዕደሊ ነዳዲ ኣብ ዝርከብ ትካልና ምርካብ ይከኣል እዩ፡፡

ተ/ቑዓይነት ንብረትመፍለይ ቑ.መዕቀኒበዝሒነ/ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
1Roter Head Sub AssyBishoftuPcs01Model DD1022