ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፅሪ 02/2017 ዓ/ም
ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ከ/ስ/ት/በ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ህንፃ መሳርሒ ፡ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቁሑ ፡ ሞተር ሳይክላትን ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒ እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም
1. በቲ ዘርፊ ናይቲ ዘመን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ አርጅናልን ሓደ ኮፕን መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል
2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ /TIN / ሰርተፊኬት አርጅናልን ሓደ ኮፕን ከቕርብ ዝክእል
3. ንተወሳኪ እሴት ታክስ WAT/ ዝተመዝገበ-VAT ምዝገባ ሰርተፊኬትን ናይ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓ/ም VAT ድክለሬሽን ዝገበረን አርጅናልን ሓደ ኮፕን ከቕርብ ዝክእል
4. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ዘለዎ ኮፒ ገይሩ ከቕርብ ዝክእል
5. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝተኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 05 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል
6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘየብሉን ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ናይ ባዕሎም ወይ ወኪሎም ፌርማን ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ ማህተምን ዝዓረፎ ኮይኑ ብፓስታ ተዓሺጉ ክቐርብ ይግባእ፡፡ እዙይ ኣማሊኡ ከቅርብ ዘይካኣለ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን፡፡
7. ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ካብ ዕለት 15/05/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 29/05/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዝያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ክትወዳደሩ ትክእሉ
8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መክበሪ ሰነድ ጨረታ ናይ ህንፃ መሳርሒ ብር 20,000 ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቁሑ ብር 20,000 ፣ ሞተር ሳይክላት ብር 10,000 ፣ ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ዝፍለጥ ኢ/ያ ንግድ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ 1000103569285 ወይ ኣንበሳ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ 00312075077-75 ብኣታዊ ደረሰይ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል _ ወይ ብCPO ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ፅሕፈትና ጨረታ ሳንዱቕ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቕርብ ዝክእል
9. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ መግዚኢ ዋጋ ዘይምለስ 300 ብር / ሰለስተ ሚኢት ብር/ ብምክፋል ክትወስዱ ትክእሉ
10. እቲ ጨረታ ዕለት 29/05/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቤት ሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት
11. ቤት ፅሕፈትና ነቲ ግልፂ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
12. ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ወይ ክውስክ ይክእል እዩ
13. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ናብ ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ዝኸውን ኮይኑ ኣብቶም ዝሳዓሮም ዓይነት ንብረታት ዋስትና ክህብ ዝክእል
➢ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብሞባይል ቁፅሪ 09 14 11 39 96 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል፣