ቑፅሪ ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን/1036/17

ዕለት 15/05/2017 ዓ/ም

ን2ይ ጊዜ ዝወፀኣ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 01/2017

ንማይጨው ሕርሻ ኮለጅ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ መኪና ስፔር፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ፣ ናይ ሕክምና ናዉንትን መድሓንትን፣ ናይ ኣሕምልቲ ዘርኢን ፀረ-ባልዕን ብግልፂ ጨረታ ፣ ናይ ኤሌትሪክ ኣቁሑት፣ ናይ ማይ ኣቁሑት፣ ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቛሒ ክተማልኡ ይግባእ፡፡

1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዝኩም ክተቕርቡ እትኽእሉ

2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን IN ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉ

3. ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርቴፊኬትን ናይ ሕዳር ዴክሌር ዝገበርኩሙሉ መረዳእታን ክትቅርቡ እትኽእሉ፣

4. ናይ መቕረባይነት ሰርቴፊኬት ዝሓዝኩም

5. ሰነድ ጨረታ ፎቶ ኮፒን ኦርጅናልን ብ2' ፖስታ /ኢንቨሎፕ/ ተዓሽጉ ከቅርብ ዝክእል

6. ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10' ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕልኹም መጓዓዝያ ናብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ብፅሬትን ብመጠንን ተቕርቡ ምዃንኩም

7. ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓርኹምዎ ንብረት ሓደ ዓይነት ዋጋ ንዘቅረብኩም ተወዳደርቲ ብዕጫ እትፍለዩ ምዃኑ፣

8. መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካልኩም ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ ፣

9. ኣብ ነሰድ ጨረታ ዝምላእ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ ፣

10. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 200.00 /ኽልተ ሚኢቲ ብር/ እናኸፈልኩም ካብ ማይጨው ሕርሻ

ኮሌጅ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ኣብ ቁፅሪ ቢሮ 02 ህ-B-25 ካብ ዕለት 15/05/2017 ዓ/ም ክሳብ 29/05/2017 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 እናመፃእኹም ክትወስዱ ትኸእሉ ፣

11. እቲ ጨረታ ዕለት 30/05/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ተኣሽጉ ኣብቲ ዕለት ስዓት 4፡00 ኣብ ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት ፡፡

12. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ንፅ/መሳርሒ፣ ንመኪና ስፔር ፡ ንኤ/ሪክ ኣቁሑት ፣ ንህንፃ መሳርሒ ፡ ንእንስሳ ናዉትን መድሓንቲን ፣ ንኣምልትን ፀረ-ባልዕን ፣ ናይ ማይ ፡ ብር 3000.00 / /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ብCPO ፣ ብባንክ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትኽእሉ እንትኾን ንናይ ፅሬት ኣቁሑት ግና ብር 1000.00 /ሓደ ሽሕ ብር/፣ ብCPO ብባንክ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትኸእሉ፣

13. ዝተወዳደርለ ሰነድ ኮፒን ኦርጅናልን ክትኣቅርቡ እትኽእሉ ከምኡ ድማ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ሕድ ሕድ ገፅ ናይ ተጫረቲ ማህተም ብምግባር ብዝተኣሸገ ፓስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥንዱቕ ተእትው ትክእሉ፡፡

14. ናይ ሕድ ሕድ ንብረት መዐቀኒ ብነፀላ ወይ ብፓኬት ምኻኑ ኣስተውዒሎም ዋጋ ይምልኡ፡፡

15. ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0347770388 ደዊልኩም ክትረኸቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር

ማይጨው ሕርሻ ኮለጅ