ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

ጨረታ ምልክታ

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ እዞም ዝስዕቡ ጨረታ ዓይነታት ብጨረታ ክትዕድግ ትደሊ

✓ ናይ ነበርቲ መደቀሲ ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቁሑት

✓ ናይ መመገቢ ኣቁሑት

✓ ናይ ክሽኔ ኣቁሑት

✓ ናይ ጥዕና ግልጋሎት መዉሃቢ መሳርሕታት

✓ ናይ ቤት ፅሕፈት መሳርሕታት


ተጫረቲ ተማልእዎ ዝግባኣኩም ረቋሕታት

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ

2. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ብር 50.00/ሓምሳ ቅርሺ/

3. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ንብረት ፅርየቱ ዝሓለወ ክኮን ኣለዎ

4. ጨረታ ዝሳዓርኩም ኦርደር ካብ ዝዋሃበኩም ዕለት ጀሚሩኩም ኣብ ዉሽጢ 07 መዓልቲ ንብረት ኣታዊ ትገብሩ

5. ተጫረቲ ናይ ባዕልኩም እስፐስፍኬሽን ክተዉፅኡ ኣይግባእን

6. ስርዝ ድልዝ ዝበለ ብቀጥታ ርጀክት ይግበር

7. ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

8. ብባንኪ ዝተረጋገፀ 2% ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

9. ናይ ጨረታ ሰነድ ዝወፀሉ ዕለት 03/12/2016 ይከዉን

10. ናይ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 09/12/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ኮይኑ ዝክፈተሉ ድማብተመሳሳሊ ዕለት 09/12/2016 ዓ/ም ሳዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ተወከልቲ ኣብ ዘለዉዎ ኣብ ቀበሌ 15 ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ይከዉን

11. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ