ኮሌጅ ቴክኒክ እንትጮ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ 2016 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰኵምን / ንግዲ ፍቃድ ካብ ዝሕድስ ዓመት ዘይሐለፎ ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ዝተሐደሰ  ዘለኩምን ቲን ናምበር ዘለኩም  ናይ ቫት ምዝገባ ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ወርሒ  ጥሪ ድክለሬሽን ክተቅርቡ እትክእሉ ናየዚ ዝተዘርዘረ ኩሉ መረዳእታ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ኣብ ክልተ ፖስታ ብምዕሻግ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ተጫረቲ ነዚ ጨረታ ዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ደ ክመንት / ሰነድ / ዘይምለስ 30 ብር ብምክፋል ካብ እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ባዕልኩም ወይ ከዓ ብሕጋዊ ወኪሎም ክትወስዱ /ክትዕድጉ እትክእሉ

3 ንሕድሕድ ዓይነት መደብ ዝተመደሰ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ናይ ናይ ኣዉቶ ሞቲቭ መሳርሒ 5000 :  ናይ ህንፃ መሳርሒ 10000  : ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ 5000 : ናይ ሸቃጣ ሸቀጥ መሳርሒ 5000 :  ናይ ኤሌክትሮኒክስ 5000  : ናይ ፅሬት መሳርሒ 3000 ቅድሚ ጨረታ ምክፈቱ ብስም እንትጮ ቴክኒክ ኮሎጅ ዝተፅሐፈ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ  ጥረ ገንዝብ ከትሕዙ እትክእሉ

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ እንተቅርብዎ ናይ በዓል ዋና ስምን ፊርማ ሕጋዊ ማህተምን ብምዕራፍ ኦርጅናል ፎቶ ኮፕን ብምግባር ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ 2 ፖስታ ብምዕሻግ ካብ 25/6/2016 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 10/7/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ኣብ እንትጮ ቴክኒክን ኮሌጅ ነዚ ጨረታ ዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ከተእትዉ እትክእሉ

5 ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ኮሌጅና ብምቅራብ ባዕሉ / ብሕጋዊ ወኪሉ / ኣቢሉ ብሐታቲ ኣካልን ብቴክኒካል ኮሜቴ ፅሬቱ እናተረጋገፀ ኣታዊ ክገብር ዝክእልን መምዘኒ ዘድልዩ ንብረት ብናይ ባዕሉ ሚዛን ገይሩ ኣምዚኑ ዘረክብን

6 ተጫራታይ ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት ብደብዳቤ ወይ ብስልኪ ምስ ተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ከአስር ዝክእልን መክበሪ  ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ከትሕዝ ዝክእልን ኮይኑ ድሕሪ ዉዕል ምእሳሩ ድማ ኣብ ተከታታሊ 10ተ ናይ ስራሕ መዓልዪ ንብረቱ ጠቅሊሉ 100 መእታዊ ከቅርብ ዝክእልን ዉዕል እንተዘይኣሲሩ ግና ዘትሓዞ መክበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይከዉን ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 60 መዓልቲ ይከዉን

7 ዝሰዓሮ ንብረት ብዉዕሊ መሰረት ኣታዊ እንዘተይገይሩ ካብ ዘይኣቅረቦ ንብረት 1/1000 ንምዓልቲ እናትቀፀዐ ክሳዕ ሙሉእ ብሙሉእ ንብረቱ አታዊ ዝገብር ይፀንሕ ብዉዕሉ መሰረት እንተዘይፈፂሙ ድማ ዘትሓዞ መክበሪ ዉዕሊ ይዉረሰ ኮሌጅና ብምትእጎጎሉ / ብምጉድኡ ተሓሲቡ ናብ ክልል ትግራይ ቢሮ ትልምን ፋይናንስ ኣዉራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ብኣዋጅ ዕደጋ 255/2007 ዝአዝዞ መሰረት ደብዳቤ ይፃሓፈሉ

8 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ እዋን ካብ 25/6/2016 ዓም ክሳብ 10/7/2016 ዓም ይከዉን

9 ናይ ጨረታ ሰነድ በቢ ሎቱ ኮይኑ ዕለት 10/7/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ታዓሺጉ ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 4:30 ንጉሆ ይክፈት

10 ሐደ ዓይነት ዝኮኑ ንብረት ተደጊሙ ኣብ ጨረታ ሰነድ እንተጋጥሙ በቲ ዝነአሰ ዋጋ ዝተሰዓረ ዝቐርብ ምካኑ ክፈልጥ ይግባእ

11 ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ ን6ተ ወርሒ ክሳብ ዘገልግል ዉሕስና ዝገብር

12 ኣብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዝገበረ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ካብ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ዝቀርብ ንብረት ተቐባልነት የብሉን

13 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነዚ ጨረታ እዚ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ናይ ሕድሕድሕ ዋጋ ዝምላእ ቫት ብምድማር ክከዉን አለዎ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0924294156 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል