- 1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ 2016 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰኩም ንግዲ ፍቃድ ካብ ዝሕደስ ዓመት ዘይሐለፎ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዝተሐደሰ ዘለኩም
- 2 ምስክር ከፋላይነት ግብሪ ማለተ እዉን ቲን ናምበር ዘለኩም
- 3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ዘለኩም
- 4 ናይ ወርሒ መሰከረም ዲክለሬሽን ክተቅረቡ እትክእሉ ወይ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ዘይሐለፎ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለር ዝገበርኩም
- 5 ናይዚ ዝተዘርዘረ ኩሉ መረዳእታ ዋና ቅዳሕን ኣብ ክልተ ፖስታ ብምዕሻግ ክተቅርቡ እትክእሉ
- 6 ተጫረቲ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሰነድ ዘይምለሰ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ ደጋፊነ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳርን በዓልኩም ወይ ሕጋዊ ወኪልኩም ክትወስዱ ትክእሉ
- 7 ሕድሕድ ዓይነት ንበረት ዝተመደበ ናይ ጨረታ ዉሕስና ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 5000 ቅርሺ : ናይ ህንፃ መሳርሒ 10000 ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብሽም እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝተፃሐፈ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትክእሉ
- 8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ እተቅርብዎ ናይ ባዕል ዋና ስምን ክታምን ሕጋዊ ማህተምን ብምዕራፍ ዋና ቅዳሕን ብምግብር ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ክልተ ፖስታ ብምዕሻግ ካብ 11/2/2017 ዓም ክሳብ 26/2/2017 ዐም ሰዓት 4:00 ናይ ንገሆ ኣብ እንትጮ ቴክኒክ ኮሌጅ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ እትክእሉ
- 9 ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ኮሌጅና ብምቅራብ በዓል ወይ ብሕጋዊ ወኪሉ አቢሉ ብሐታቲ ኣካልን ቴክኒክ ኮሜቴን ፅሬቱ እናተረጋገፀ ኣተዊ ክገብር ዝክእል መመዝኒ ዘድለዩ ንብረት ናይ ባዕሉ ሚዛን ገይሩ መዚኑ ዘረክብ
- 10 ተጫራታይ ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት ብደብዳብ ወይ ብስልኪ ምስተገለፀሉ አብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ከትሕዝ ዝክእልን ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳሩ ድማ ኣብ ተከታታሊ 10 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ንብረቱ ጠቅሊሉ ሚኢቲ ሚእታዊ ከቅርብ ዝክእል
- 11 ዉዕሊ እንተዘይኣሲሩ ግና ዘትሓዞ ትሕጃ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይግብር
- 12 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ን 60 መዓልቲ ይከዉን
- 13 ጨረታ ዝሽየጠሉ እዋነ ካብ 11/2/2017 ዓም ክሳብ 26/2/2017 ዓም እዩ
- 14 ናይ ተጫረቲ ሰነድ በቢሎቱ ኮይኑ 26/2/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 4:30 ይክፈት
- 15 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0924294156
መመለስ