https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/9158
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ንኣብያተ ፅሕፈታት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላየ ዓይነት ሞተር ሳይክላት፣ ናይ አደራሽ ሳዉንድ ሲስተም ምዝርጋሕ ፣ ኣልትራሳዉንድ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥቅምቲ 22, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 8, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሕዳር 8, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ምግጣምን ፅገናን/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈሉ ናይ 2011/12 ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ናይ ግበሪ ከፈላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተሓደሰ መቕረባይ ሰርትፊኬት፣ ቫት ምዝገባ ሰርትፊኬት ፣ ናይ ነሓሰመስከረም 2012ዓ/ም ባት ዲክልረሽን ከቕርቡ ዝክእሉ

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝ ቲም ዕደጋ ካብ ዕለት 21/02/2012 ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካኣል

3 መኸበሪ ጨረታ ሞተር ሳይክላት 20000.00 ፣ ናይ አደራሽ ሳዉንድ ሲስተም ምዝርጋሕ 5000.00 ፣ ኣልትራሳዉንድ 5000.00 ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ሲፒኦ ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከትሕዙ ዝኽእሉ

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 08/03/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9፡00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

5 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንቴኪቡ ጨረታ ብመሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ ስልኪ ቁፅሪ 03 44 40 85 01 /03 42 40 87 57 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል