1 ጨ..ቁ ቢ.ር.ህ/ክ/ት/ሕት-02/2011 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ /ስቴሽነሪ/
በዚ መሰረት አብዚ ጨረታ ክትሳተፍ እትደለዩ ተወዳደረቲ እተማልአዎ ረቋሒ::
1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ፣ ቫት ተመዝገበቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቨት ሪፖርት፣ መፍለይ ቑፅሪ / TIN/ ኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኮኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ::
2 መክበሪ ጨረታ ብር 2000.00 /ክልተ ሸሕን ቅርሺ / ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝክእሉ::
3 ዋጋ ሰነድ ጨረታ ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ደጋፊ ኸይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቑፅሪ 22 ካብ ዕለት 24/04/2011 ክሳብ 14/05/2011 ዓ/ም አብ ዘሎ ናይ ስራሕ ግዜ መፂኹም ምግዛእን ንዕኡ ኣብ ዝተዳለወ ሰንዱቅ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ትክአሉ ::
4 ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኽፈተሉን ዕለት 14/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ልዕል ኢሉ አብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኽፈት::
5 ቢሮና ነቲ ዝዕድጎም ኣቅሑት ከምኣድላይነቱ 20 % ናይ ምዉሳክ ወይም ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
6 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10 % አትሒዙ ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ንብረት ከረክብ ዝኽእል፤
7 ሰዓራይ በቲ ዝወፀ ስፐስፊክሽን መሰረት ፅሬቱ ብዝምልከቶም ኣካለት ምስተረጋገፁ አብቲ ዘድልየሉ እዋን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቢሮና አታዊ ይገብር::
8 እዚ ጨረታ ፀኒዑ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 30 መዓልቲ ዝፀንዐ ይኸዉን::
9 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምንራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
10 ንዝበለፀ ሓበሬታ ቢሮና ዝርከበሉ ፊት ለፊት ኣግአዚ ባንኪ ጎኒ ዘዩርዳኖስ ሆቴል ::
ስቑ 0344 - 409343 ደዊልካ ምሕታት ይከአል እዩ::
ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ
ድሕሪት