ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ቁፅሪ 01 ምዉሳድ ይከኣል
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሕታት
1 ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ብቅዳሕ ዘቅርብን
3 ናይ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
4 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ መቅረባይነት ካርድ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን መረዳእታ ቅዳሕ ዘቅርብን
6 መኸበሪ ጨረታ ንምድብ 1-ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና 7000.00 ቅርሺ፣ ንምድብ 2- ጎማ መኪና 5000.00 ቅርሺ፣ ንምድብ 3-ዘይትን ግሪስን 3000.00 ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 01- 100.00ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
8 ጨረታ ካብ 03/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 17/03/2011 ዓ/ም ዝፀንሕ ኾይኑ 18/03/2011 ዓ/ም 3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት።
9 ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ትካሎም ማህተም ናይ ዝምልከቶ አካል ፊርማ ክዓርፈሉ አለዎ።
10 ቤት ፅሕፈትና በጀት መሰረት ብምግባር ኣብ ሕድሕድ ዓይነት ንብረት ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለዎ።
11 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480183 ብምድዋል ወይ ብኣካል መፂእኻ ምሕታት ይከኣል
ድሕሪት