https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5226
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣገልግሎት እናሃባ ዝረከባ ተሽከርከርቲ መኻይን ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ምፅጋን ካብ ስሩዕ በጀት ንፅገና ኣገልግሎት ዝውዕል ብምድብ ብምክፋል ምድብ1- ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ፤ምድብ 2- ጎማ መኪና ፤ ምድብ 3- ዘይትን ግሪስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 3, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 18, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ቃፍታ ሑመራ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሕዳር 18, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ፅገና ተሽከርካሪ/

ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ቁፅሪ 01 ምዉሳድ ይከኣል

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሕታት

1 ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ብቅዳሕ ዘቅርብን

3 ናይ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ  መቅረባይነት ካርድ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን መረዳእታ ቅዳሕ ዘቅርብን

6 መኸበሪ ጨረታ ንምድብ 1-ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና  7000.00 ቅርሺ፣ ንምድብ 2- ጎማ መኪና 5000.00 ቅርሺ፣ ንምድብ 3-ዘይትን ግሪስን  3000.00 ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 01- 100.00ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

8 ጨረታ ካብ 03/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 17/03/2011 ዓ/ም ዝፀንሕ ኾይኑ 18/03/2011 ዓ/ም  3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት።

9 ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ትካሎም ማህተም ናይ ዝምልከቶ አካል ፊርማ ክዓርፈሉ አለዎ።

10 ቤት  ፅሕፈትና በጀት መሰረት ብምግባር ኣብ ሕድሕድ ዓይነት ንብረት ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለዎ።

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480183 ብምድዋል ወይ ብኣካል መፂእኻ ምሕታት ይከኣል