ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ።
ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ገባሪ ሰናይ ትካል CRS ብዝተረኸበ ሓገዝ
1) ኣብ ወረዳ ስሓርቲ ጣብያ ዓዲ ሽሻይ ቁሸት ዓዲ ህፃን ዝርከብ ዓዲ ህፃን 1ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ሓዱሽቲ መምሀሪ ክፍልታትን ሽንት ቤትን መሕፀቢ ኢድን ንምስራሕ LOT -1-
2) ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ኩሓ ዝርከብ ታሕታይ እግሪ ሓሪባ 1ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ከምኡ እዉን ኣብ ክ/ከ ዓዲ ሓቂ ዝርከብ ማይ ወይኒ ቤት ት/ቲ ፅገና መምሀሪ ክፍልታት ሽንት ቤትን መሕፀቢ ኢድን LOT - 2-
3) ኣብ ከተማ ዓዲ ጉዶም ዝርከብ ሐዋፁ 1ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ዕገና መምሀሪ ክፍልታት ሽንት ቤትን መሕፀቢ ኢድን Loፐ -3- ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከፀግንን ከስርሕን ስለዝደለየ
➢ ን LOT-2- ን LOT-3- ን ብ General Building contractor (GC) ደረጃ 6ን ልዕሊኡን ዝኾንኩም ተጫረቲ ከምኡ እውን ን LOT -1- ድማ ብ General Building contractor (GC) ደረጃ 5ን ልዕሊኡን ዝኾንኩም ሕጋዉያን ተጫረቲ
➢ ሓደ ተጫራታይ ኣብ ሓደ ሎት ጥራሕ ክወዳደር ዝኽእል ምዃኑ ርዱእ ዝገብር ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 02/ 01/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 13 / 01 /2026 ኣ/ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።
➢ እቲ ጨረታ ዕለት 13 /01/2026 ኣፈ ስዓት 8:30 (Ethiopian local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 ( Ethiopian local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ይኽፈት ::
ድሕሪት