ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዉቕሮ ደ/ከ/ስራሕ ዕደፋይ/ንብ/ምም/ርን ዘለዎ ናይ ኦክስጅን ስለደራት ካብ መደበኛ ወይ ወሽጢ ኣታዊ ዝፀደቐ በጀት ዝክፈል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ኣእሲሩ ኦክስጅን ጋዝ ክመልእ ይደሊ። ስለዚ ኣብ ታሕቲ ዝተጠቀሰ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።
ሀ. ተጫረትቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት/ረቋሒታት/
1. በቲ ዓውደ ስራሕ ናይ ዘመነ ዝተሓደስ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ከምኡ እውን ቲን ናምበርን ኣብ ትልምን ፋይናንስን ብመቅረባይነት ዝተመዝገቡን መረዳእታ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል።
2. ንጨረታ መክበሪ ትሕጃ ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ/CPO/ ከትሕዝ ዝክእል።
3. ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብዝሰዓሮ ዋጋ - ውዕሊ ክኣስር ዝክእል ጥራሕ ይወዳደር።
4. ጨረታ ዝሰዓረ ውዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ድምር ዋጋ 10% ንውሕስና ኣፈፃፅማ ስራሕ መኽበሪ ውዕሊ/ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል።
5. ተጫረትቲ ካብ ዝተመልአ ሕድሕድ ኦክስጅን ስሊንደር ዝርዘር ናይ ጠቅላላ ዋጋ ድምር ዝተሓተ ብምውሳድ ሰዓራይ ዝኸውን ምዃኑ ኣሚኖም ክወዳደሩ ዝክእሉ።
6. ተጫራታይ ዝተወደአ /ዝምላእ ስሊንደር/ እንተጋጥም ናብ እዚ ጨረታ ዝሰዓረ እንትልእክ ቆፂሩ ብመረካከቢ ቅጥዒ ክርከብን ብትክክል መሊኡ ናብ ሆስፒታልና ክልእክን ዝክእል ምዃኑ ኣሚኑ ክወዳደር ኣለዎ።
7. ሰዓራይ ኮይኑ ዉዕሊ ዝኣሰረ ተጫራታይ እቲ ዝምላእ ኦክስጅን ጋዝ ሲሊንደር ፅሬቱን ብትክክል ምምልኡን ዓቂኑ ንውቅሮ ሓፈሻዊ ሆስፒታልና ሰብ ሞያ ከረክብ / ከቅርብ ዝክእል ምዃኑ ኣሚኑ ክወዳደር ኣለዎ።
8. በዝሒ ዝምላእ ስሊንደር ዝምልከት ሆስፒታልና በቢ ግዚኡ ንክምልአሉ ብዝልእኮ በዝሒ መሰረት ይከዉን።
9. ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 09/12/2017 ዓ/ም እስካብ ዕለት 19/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ውቅሮ ደስ ስራሕዕደ/ፋይ/ ንብ/ምም/ርን ምውሳድ ይከኣል።
10. እዚ ጨረታ ዕለት 19/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 4፡30 ይኽፈት።
ለ. መምርሒ ተጫረትቲ
1. ተጫረትቲ ኣብ ዘቅረብዎ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ክህሉ የብሉን።
2. ተጫረትቲ ዘቅርብዎ ደኩመንት ኦሪጂናልን ፎቶኮፒን (ዋናን ቕዳሕን) ነንበይኑ ዓሺጎም ኦሪጂናልን ኮፒን (ዋናን ቕዳሕን) ተባሂሉ ኣብ ዝባኑ ይፀሓፈሉ።
3. ተጫረትቲ ኣብ ዘቅርብዎ ዶኩመንት ሽሞምሽም ትካሎም/ ፊርመኦምን ማህተምን ከዕርፉ ኣለዎም።
4. እቲ ጨረታ ብዝተፈላለየ መልክዑ ከዛብዑ ዝፍትነ ተጫረትቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ጌሩ ንቐፃሊ ከይሳተፍ ይገብር።
5. ተጫረትቲ ድሕሪ ሳፁን ምኽፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ እውን ንዝበለ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ትሕጃ ኣይምለሰሉን ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸውን።
6. ተጫረትቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ሕቶ መብርሂ / ወይ መማሓየሺ እንተሃልይዎም ናይ ጨረታ መኽፈቲ 5° መዓልቲን ልዕሊኡን እንትተርፎ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብፅሑፍ ከቅርቡ ዝኽእሉ ምኳኖም
7. ሰነድ ጨረታ ካብ ናይ ባዕልና ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን።
8. ተጫረትቲ ኣብ ጭሪታ ምክፋት ዕለትን ሰዓትን ብዘይምርካቦም ናይ ጨረታ ምክፋት ስነ ስርዓት ኣይተኣጓጎልን።
9. ሰዓራይ ምኳኑ ዝተነገረሉ ተጫራታይ እቲ ውዕሊ በቲ ዝሰዓሮ ዋጋ ክሳብ ሰነ 30/2018 ዓ/ም ውዕሊ ዝኣስር ዝፀንዕ ኮይኑ ከከም ኩነታቱ ብናይ ክልቲኦም ተወዓዓልቲ ስምምዕነት ማለት እዚ ጨረታ ስዒሩ ዉዕሊ ዝኣሰረን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዉቅሮን ስምምዕነት መሰረት ንቐፃሊ ዓመት በዚ ዉዕሊ ዝተኣሰሮ ዋጋ ክቕፅል ዝክእል ምዃኑ ኣሚኑ ክወዳደር ኣለዎ።
10. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡
ድሕሪት