1 ናይ 2017 ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድን : ወረቀት ምዝጋበ ፍቃድ ተኮነተራያንት : ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዝገልፅ : ናይ ግብሪ ከፋላይ ምዝገባ ሰርተፊኬት :ቲን ናምበር ቁፅሪ ከምእዉን ሽም ንግዲ : ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስን ምስክር ወረቀትን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለሪሽን ከማልእ አለዎ
2 መከበሪ ጨረታ 300000 ብናይ ኢትይጰያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ብዘረጋገፆ ቼክ ከቅርቡ አለዎም
3 ተጫረቲ ናይቲ ዝተጫረትሉ ስራሕቲ ቦታ ወይድማ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ 120 ተከታታሊ መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሙ ከረክብ አለዎ
4 ተጫረቲ ብቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 2000 ኣብ ቤት መዘጋጃዊ እቶት ብምክፋል ካብ 28/8/2017 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ቁፅሪ 4 ምዉሳድ ይክእሉ
5 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሐደ ዋናን ቅዳሕ ቴክኒካልን ጨረታ ሰነድ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕ ፋይናንሻል ጨረታ ሰነድ ጨረታ መከበሪ ስፒኦ ብቅዓት መረጋገፂ ስራሕ ተኮናተራይንት ፍቃድ ምስክር ወረቀት ንግዲ ስራሕ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምካኖም ዝገልፅ መረዳእታ ናይ ዝሐለፉ ሰለሰተ ኣዋርሕ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ከመእዉን መለለይ ከፈልቲ ግብሪ ነኒበይኑ ብምዕሻግ መሊስካ ኣብ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ዝባኑ ዋናን ቅዳሕን ሽምን ኣድራሽን ተፃሒፍሉ ነቲ ጨረታ ተባሂሉናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 28/9/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ወይ ብወኪሎም ኣቢሎም ከእትዉ አለዎም
6 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ቅጥዒ ብትክክል መሊኦም ኣብንብሰወክፍ ግፅ እቲ ሰነድ ጨረታ ማህትምን ፊርማን ገይሮም ቅደም ሳዓብ ሐልዩም እቲ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሽይጥ ዝነበረ እንተይኣጎደለ ከቅርቡ አለዎም
7 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ 28/9/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 300 ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ህንፀትን ይክፈት
8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
9 ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ተባዕትዩ ኣንስትዩን መዓረ ክፍሊት ክከፍል ዝክእል
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914787894
ድሕሪት