https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19511

ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ንብረትን ምምሕዳር ወረዳ ሰየምቲ ኣድያቦ ንቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠብ ልምዓት ከይዲ ስራሕ ህንፀት ልማዓት መስኖ ካብ ኤስልምቢ ቲ አፈ ዳብሊዉ ኣይቪ ዝተረከበ በጀት አብ ወረዳ ሰየምቲ ኣድያቦ ጣብያ ፍትሒ ቁሸት ማይሓንሰእ ንዝስራሕ ሓባር ዒላ ተጫረቲቱ ክስረሐሎም ስለዝተደለየ ኣብ ማይ ተንከፍ ዝተዋፈሩ ኣናሽተይ ንግዲ ትካላት ናይ ማይ ኮንስትራክሽን ብምልክታ ግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰንበት መጋቢት 6, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 24, 2018 05:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:30000
  • ቦታ:ወረዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:500
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 24, 2018 05:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲ ማይ/ ማይ ኻዕቲን ኢንስታሌሽን/

1 ኣናሽተይ ንግዲ ትካላት ብርኪ 9 ዝኮነ

2 ብማይ ተንከፈ ኮንስትራክሽን ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ዘለዎ ከቅርብ ዝክእልን

3 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ብማይ ተንከፍ ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮንኩም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ማለት እዉን ዲክላሪሽን ከቅርብ ዝክእል

6 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእል

7 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

8 ተቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ዋና ክልተ ቅዳሕ ተገይሮም በበይኖም ምልክት ብምግባር ዓሺጎም ከቅርቡ አለዎም

9 ጨረታ መከበሪ 30000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብዝተረጋገፀ ባንኪ ዉሕስና ማለት ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

10 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቅ ሰዓት ሰዓራይ ዉዕሊ ምስ አሰረ ይከዉን

11 ከይዲ ጨረታ ብዘኣይአገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትንን ጨረታ ንከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር

12 ክሳብ ስርሑ ዘረክብ ከትሕዝ ዝክእል

13 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ከብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታሊ 30 መዓልቲታት ይከዉን

14 ሕድሕድ ጨረታ ሰነድ እንትምላእ ብቲ ዝቀረበ ዝርዝር መዓቀኒ ክምላእ አለዎ

15 ናይ ባዕልካ መዓቀኒታት ምእታዉ ኣይፈቀድን

16 ግልፂ ኣይኮነን ኢሉ ንዘኣመነሉ ድማ ብኣካል ወይድማ ብስልኪ ቀሪቡ ክሓትት አለዎ

17 ሕድሕድ ጨረታ እንትምላእ ሸሙን ኣድራሻን ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ

18 ሰዓራይ ዉዕሊ ክእስር ከሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብጥር ገንዘብ ወይ ድማ ብስፒኦ ብዝተራገፀ ባንኪ ከትሕዝ አለዎ

19 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ስራሕ ብዉዕሊ መሰረት ኣብ ዝተዉሃቦ ገደብ ሰሪሑ እንተዘይኣረኪቡ ከብ ዘይሰርሖ ስራሕ ጠቅላላ ዉዕሊ በቢ መዓልቱ 1/1000 ክብ 10 ሚእታዊ ዝበፅሕ ዝቅዓፅ እንትከዉን ኮይኑ ግና ናይቲ ስራሕ ህፁፅነት ተራእዩ 10 ሚእታዊ ክሳበ ዝበፅሕ ንዘይምዐባይ ዘትሓዞ መከበሪ ዉዕሊ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ብምግባር ዉዕሊ ዝፈርስ ምካኑን ብመምርሒ ፋይናንስን ተፈፃሚ ይከዉን

20 እቲ ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብምሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

21 ኣብ ማይ ተንከፈ እትወዳደሩ እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ካም ኣድላይነቱ በጀት መሰረት ዝገበረ 25 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል

22 አብ ስራሕቲ ፕሮጀክተ ማይ ዘተኣማምን ፋይናንሳዊ ዓቅምን ዘለዎን ኣብ መነግስታዊ ፕሮጀክት ናይ ሐደ ዓመት ልምዲ ስራሕ ናይቲ ፕሮጀክት ማይ ብፅሬት ሰረሒ ዘረከበሉ መረዳእታ ከቅርብ አለዎ

23 ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 4/7/2018 ዓም ክሳብ 23/7/2018 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳርን ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘይምለስ 500 ቅርሺ እንዳከፈሉ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ

24 ጨረታ ዝዕፀወሉ 24/7/2018 ዓም ሰዓት 5፡00 ኮይኑ ዝክፈተሉ ድማ ኣብዚ ሰዓት 5:30 ይከዉን

25 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914777366/ 0968926261