https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/16072

ኣብ ግዘያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ ጂሴፍ ብዝተረከበ በጀት ወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ፍሉይ ቦታ ተካ ተስፋይ ከተማ ከባቢኣን ንዝርከብ ሕብረተሰብ ዝዉዕል ዓሚቁ ጉድጎድ ሲስተም ዘድሊ ሶላር ፓምፕ ኤሌክትሮ መካኒካል ዕደጋ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 9, 2017 (ቅድሚ ሓደ ዓመት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ታሕሳስ 23, 2017 03:00 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:500
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ታሕሳስ 23, 2017 03:30 ቅ/ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲ ማይ/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ማይ ኻዕቲን ኢንስታሌሽን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ዝደለ ዓይነት ነብረት : ቀረብን ስራሕ ሶላር ፓምፒንግ መዓቀኒ ሴት በዝሒ ብመሰረት ኣብ BOQ ዘሎ ዝርዝር ፍሉይ ቦታ ሳይት ወረዳ ፃዕዳ እምባ ጣብያ ፍሉይ ቦታ ተካ ተስፋይ

1 ናይ 2017 ዓም በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ : ናይ 2016ን 2017 ናይ ማይ ሞያ ስራሕቲ ፍቃድ ዘለዎ : ቲን ሰርተፊኬት ዘለዎ ከቅርብ ዝክእል ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ መስከረም 2017 ዓም ናይ ተወሳኪ አሰት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ንዝተዳለወ ዝርዝር ጨረታ ናይዚ ዕድመ ብደብዳቤ ብሄራዊ ሬዲዩ ካበ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ካብ ቢሮ መዝገብ ቤት ካብ ዕለት 9/ታሕሳስ/2017 ጀሚሩ ዘይምለስ 500 ብር ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

3 መከበሪ ጨረታ 50000 ቅርሺ ብመልክዕ ስፒአ ወይ ከዓ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ጋራንቲ ምስ ቴክኒካል ጨረታ ሰነድ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

4 እቲ ጨረታ 23 ተሕሳስ 2017 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:15 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከቡ ይክፈት

5 ተጫረቲ ሐደ ዋና ቴክኒካልን ሐደ ዋና ፋይናንሽል ሰነድ ነንበይኑ ብፖስታ ዝተዓሸገ ከምእዉን ሐደ ቅዳሕ ቴክኒካል ክልተ ቅዳሕ ፋይናንሻል ነንበይኑ ብፖስታ ዝተዓሸገ ሰነድ ብምቅራብ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ብግልፂ ክፃሓፈሉ አለዎ ከምእዉን ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክዓርፎ አለዎ

6 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ኣድራሻ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ መቐለ ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914723753 0920326084

8 መተሓሳሳቢ ናይ ጨረታ መዕፀወኒ መክፍተኒ ዕለት ኣብ ባዕል እንተዉዒሉ ኣብ ዝፅል መዓልቲ ዝክፈት ይከዉን