ምልክታ ጨረታ
ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ france embassy ብምትሕብባር at Negash constraction ተጀሚሩ ዝጸነሐ labor,technical expertise, supervision and work man ship ኣወዳዲራ ክተስርሕ ስለዝድለየት ። ነዚ ተማልኡ ተጫረቲ ንኸትወዳደሩ ንዕድም።
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት
1. ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፋቃድ ከቅርብ ዝክእል
2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( IIN NO) ከቅርብ ዝክእል
3. ተጫረቲ ናይቲ ዝመልእዎ ዋጋ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
4. ናይ ጨረታ መግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 ብምክፋል ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ አነስትዮ
ትግራይ ብአካል ብምምፃእ ምውሳድ ይካአል
5. ዝትሐደሰ ፍቃድ ናይ ኮንስትራክሽን ዘለዎ
6. ተጫራታይ ስዓራይ ምኳኑ ከብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕል ኣሲሩ ናብ ስራሕ ክእትው ዝኽእል።
7. ተጫራታይ ዝርዝርዝ ስፐሲፊኬሽን ካብ ዋና ቤት ጽሕፈ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ መቐለ ምውሳድ ይከኣል።
8. ተጫራታይ ካብ ናይ ቤት ፅሕፈትና ስፒስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ አይፍቀድን
9. ተጫራታይ አብ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ብቀጥታ ካብ ጨረታ ይስረዝ
10. ጨረታ ሰነድ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 24/06/2018 ዓ.ም ክሳብ 27/06/2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝፀወሉ ዕለት 27/06/2018 ዓ.ም ሳዓት 4፡00 ተዓዕዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ
ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ አብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይክውን
11. ቤት ፅሕፈትና ካብቲ ዘጫረቶ 20% ምዉሳኽ ወይ ምቕናስ ይኸእል
12. መክፈቲ ዕለት ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ አብ /ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይክውን
13. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ምኳኑ ክንገልጽ ንፈቱ::