መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ግልፂ - ጨረታ ( Open Bid)

ትካልና መስፍን ብረታ ብረት እና ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ፣ ጫማ ናይ ዌልደር ከምእ'ውን ጓንቲ ሌዘር ሓፂር ናይ ማሽኒስት ተደላይ ዓይነት ንክልቲኡ ብመርኣያ( Sample) ኾይኑ ብግልፂ ጨረታ ( Open Bid) ኣብ ታሕቲ ዝተጠቐሱ ካብ ተራ ቑፅሪ -1 ክሳብ ቑፅሪ - 2 ማለት ፣

ተ.ቑዝርዝር ዓይነትመዐቀኒበዝሒመብርሂ
1Shoes Safety With Steel cup Industrial for WeldersPair600.00ብትካል ፅሬት መረጋገፅቲ ተቐባልነት ዝረከበን ዝሐሸ ዋጋ ዘቅረበን ይምረፅ ።
2Hand glove, leather short for MachinistPair3,000.00

ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ በቲ ዘርፊ ፍቃድ ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቐኒታት ተማልኡ ተወዳደርቲ ክትሳተፉ ትካልና ይዕድም ፡፡

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቅርብ ዝኸእልን ፣

2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቐት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ምዃኖም ዝገልፅን ናይ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም ቫት ዝኸፈሉሉን ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳት ብምምላእ ፣ ናይ ጨረታ ዶክመንት (ሰነድ) ካብ ዕለት 20/06/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 04/07/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት እናቐረቡ ነዚ ጨረታ ናብ ዝተዳለወ ሳንድቕ ከእትዉ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብሲፒኦ (CPO) ብር 30,000.00( ሳላሳ ሽሕ ብር)ምስ ጨረታ ዶክመንት አተሓሒዞም ከእትዉ ይግባእ፡፡

4. ጨረታ ዕለት 04/07/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ድሌት ዘለዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት፡፡ ናይ ጨረታ ዶክመንት እንተተማሊኡ ተጫረቲ ኣብ መኸፈቲ እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝኸፈት ይኸዉን።

5. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይካኣልን፡፡ ጨረታ ዶክመንት ንሕድሕድ ገፅ ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ። ኣብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ብምለሱለይ ብምንም መልክዑ ክምልስ ኣይከኣልን።

6. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ኩነታት ቫት ብግልፂ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

7. ተጫረቲ እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ (Price Validity) ብግልፂ ከቐምጡ ይግባእ።

8. ተጫረቲ ኣብ ቕድመ ኩነታት ዝተመስረተ ዋጋ እንተመሊኦም ዘቕረብዎ ዋጋ ተቐባልነት የብሉን፤ ናይ ተጫረቲ ድምርን ካልኦት ጌጋታት እንተሃልዩ ተጫራታይ ሓላፍነት ይወስድ። ትካልና ናይ ተጫረታይ ስልሒት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፍነት የብሉን።

9. ተጫረቲ ዘእትውዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ፣ ናይ ስልሒትን ድምርን ጌጋ እንተሃልዩ ናብ ውድድር ኣይቐርብን።

10. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 3' መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ይግባእ፣ እንተዘይኮይኑ ግና ንመክበሪ ጨረታ ዘትሐዝዎ ሲፒኦ(CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወስድ፡፡

11. ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ መኽበሪ (Unconditional Performance Guarantee) ንክልተ ወርሒ ዝፀንሕ ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ብCPO ከትሕዙ ይግባእ። ሰዓራይ ተጫረታይ ኣብ 10 (ዓሰርተ) መዓልቲ ከቕርብ ዝኽእልን ውዕሊ ዝኣስር ክኸውን ይግባእ። እንተዘይኾይኑ ግና ንውዕሊ መኽበሪ Performance Guarantee ዘትሓዝዎ 10% ናብ ትካል ኣታዊ ኾይኑ

12. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ፡

ዋና ቢሮና ብኣካል ብምምፃእ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ ወይም ብስ.ቁ 0914708567/0914745542 ክድዉሉ ይኸእሉ።