Tigray Regional State Interim Administration Bureau of water And Energy

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ንራማ ማይን ፈሳስን ግልጋሎት እትውዕል ናይ ኤሌክትሪክ ሞተር ሳይክል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም።

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም

1. ናይ ዘመኑ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት፣ ቲን ቁፅሪ /TIN NO/፣ ን ቫት ተመዝገብቲ ድማ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ 2018 ዓ/ም ናይ ወርሒ ታሕሳስ ቫት ዲክለሬሽን ዘቕርብ።

2. ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን ካብ መደበኛ ጉጅለ ዕደጋ፣ ካብ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 18/06/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 28/06/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ንሕድሕድ ዓይነት ጨረታ ዘይምለስ ብር 100 ብምክፋል ምውሳድ ይክኣል።

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ 5,000 ብር CPO, ብ ጥረ ገንዘብ, አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንክ ጋረንቲ ሒዞም ክቐርቡ ኣለዎም።አብዚ ሰነድ ፊርማን ክቢ ማህተምን ክዓርፎ ይግባእ

4. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/06/2018 ዓ/ም ስዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት።

5. ሰዓራይ ትካል ኦርደር ምሰ ወሰደ አብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10% cpo ኣትሒዙ ውዕሊ ብምእሳር ብናይ ባዕሉ መፅዓንን መራገፍን ናብ ናይ ቢሮና ስቶር ክፍሊ አታዊ ይገብር።

6. ኣብ ዝቐረበ መረዳእታ ዝሃሰሰ ወይ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኾይኑ ተቐባልነት የብሉን ።

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ነኒ በይኑ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቕርብ ዝኽእል።

8. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

9. ኣድራሻና ቢሮ ማይን ኢነርጅን መደበኛ ጉጅለ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 13 ።

10. ናይ ጨረታ መዕፀውን መኽፈትን በዓል እንተዊዒሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን።

11. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪቁፅሪ 0914720632/0910789404 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ።