ቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ

ምልክታ ብግልፂ ጨረታ

ንቤት መዛጋጃ ከተማ መቀለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ከ/ስራሕ ት/0/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ከ/ስ/ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓትን ናይ ሞተር ሳይክል ዕድጊትን ናይ መኪና መላወጢ አቅሑትን ን2018 በጀት ዓመት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ በቲ ዘርፊ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኦ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም ።

1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈለ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ቲን/TIN፣መቅረባይ ሰርቲፊኬት፣VAT ተመዝገብቲን ዘይተመዝገብትን ዝሓወሰ ኮይኑ ንቫት ተመዝገብቲ ቫትዲክልረሽንን ናይ ወርሒ ታሕሳስ መወዳእታ 2018 ዓ/ም ከቅርብ ዝኸእል

2. በዚመሰረትዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ት/ባ/ዕደጋ፣ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ካብ 10/06/2018 ዓ.ም ጀሚሩናይ ሞተርሳይክል ዕድጊትንንመላወጢአቅሑ መኪናንሰነድ መግዘኢንንሕድሕዲኦም ብር 300 ብምክፋል ምውሳድ ይክአሎ።

3. ናይ ጨረታመኸበሪ ንንሕድሕድ ማለትንናይ ሞተር ሳይክል ዕድጊትን መኪና መላወጢ ኣቅሑ 3,000 ብር ብሲፒኦን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክን ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኸእል/ ትኸእል።

4. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/06/2018ዓ/ምስዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓዕዩ ብተመሳሳሊዕለት 20/06/2018ዓ.ም ሰዓት 4:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት። ተጫረትቲ/ሕጋዊ ወኪላትብዘይምርካቦም ሰነድ ጨረታ ከይተከፈተ ዝተርፈሉ ኩነታት አይህልዉን እዩ።

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሐደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ኣብ

ልዕሊ እቲ ፖስታ ብግልፂ ብዝረአ ኮፒን ኦርጅናልን ዝብል ፅሑፍ ክፃሓፍ አለዎ።

6. ናይ ጨረታ መዕፀውን መኽፈትን በዓል እንተዊዒሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊሳዓት ዝኸፈት ይኸዉን ።

7. ቤት ዕዮ ካብ ዘዉፀኦም ዕድጊታት20%ካብ ነፍሲ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ናይ ምዉሳኽ ወይ ምቅናስ መሰል አለዎ።

8. አብ መምለኢ ዋጋ ስርዝ ድሊዝ እንተሊይዎ /ንፁር እንተዘይኮይኑ/ተቀባልነት የብሉን ።

9. አብ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ወይ ብዘይ ቫቱ ምካኑ ብግልፂ ከመለክቱ አለዎም እንተ ዘይኮይኑ ምሰ ቫቱ ከም ዝተመልአ ተገይሩ ዝዉሰድ ይከዉን ።

10. ስዓራይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ15' ማዓልቲ ብናይ ባዕሉትራንስፖርት ናብ ትካልና ከምፅእ

ዝኸእል ክከዉን አለዎ።

11. ስዓራይ ትካል ካብ ዝሳዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% መኸበሪ ዉዕሊ ክትሕዝ ዝኽእል ክከዉን አለዎ።

12. ዝስዓረ ትካል ናይቲ ንብረት ዋስትና ናይ ምእሳር ግዴታ ከም ዘለዎ ክስማማዕ ዝክእል ክከዉን አለዎ ።

13. ቤት ዕዮናዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩኙ፡፡

14. ኣድራሻና አብ ዋና ቤትመዛጋጃ ከተማ መቐለ ከይዲስራሕ ት/ባ/ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር እዩ።

15. ንተወሳኪ ሓበሬታብስልኪቁፅሪ0914767875/0914414232/0914747482ደውልካመብርሂ ምሕታት ይኸእሉ።